ጀርመን፣ ጓል 56 ዓመት ሰበይቲ ብምዕማጽ ዝተኸሰሱ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ካብ 6 ክሳብ 8 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም

ጀርመን፣ ጓል 56 ዓመት ሰበይቲ ብምዕማጽ ዝተኸሰሱ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ካብ 6 ክሳብ 8 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም

Radio Erena: 24 August 2018

$ eritreans raped a women in German

ኣብ ምብራቕ ጀረመን፣ “ኣብ ምእራይ ጠረሙዝ ንዝነበረት ጓል 56 ዓመት ሰበይቲ ተጋሲስኩም፣” ተባሂሎም፣ ዝተኸሱ ኣርባዕተ ኤርትራውያን፣ ነፍሲ ወከም ካብ 6 ክሳብ 8 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም።

ማዕከናት ዜና ጀርመን ብዘቕረብኦ ሓበሬታ፣ እቶም ሓተቲ ዑቕባ ምዃኖም ዝተገልጹ ኣርባዕተ ኤርትራውያን፣ ነታ ኣብ ጎደና ንዝተደርበየ ጥርሑ ጠራሙዝ ብምእካብ እናሸጠት እትናበር ሰብይቲ፣ ብእኩብ ከምዝዓመጹዋ’ዮም ተኸሲሶም።

ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ክርአ ድሕሪ ምዝናሕ ድማ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ናይ ማእሰርቲ ብይን ተዋሂብዎም።

እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 18ን 22ን ምንባሮም ዝገለጹ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ነታ ሰበይቲ፣ ናይ ዝሰተይዎ ጠራሙዝ ክህቡዋ ብምዕዳም፣ ብሰባር ጠርሙዝ ብምፍርራሕ ከምዝዓመጹዋ’ዩ ጸብጻብ ፖሊስ ዝገልጽ።

እታ ሰበይቲ ኣካላዊ ጉድኣት ከምዝወረዳ’ውን እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ የመልክት።

ብዘይካ’ዚ እቲ ጸብጻብ፣ ኣርባዕቲኦም በቲ ገበን ድሕሪ ምኽሳሶም፣ ናይ ዲኤንኤን መርመራ ከምዝተገብረሎምን፣ እቶም ሰለስተ ነቲ ዓመጽ ከምዝወዓልዎ ብኡ ንብኡ ከምዝኣመኑን ይጠቕስ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0