ጀርመን፣ ምስ ናዕቢ ጊሰን ብዝተሓሓዝ፣ ን181 ሰባት መርመራ ይካየደሎም ኣሎ

Radio Erena: Wednesday, 15 November 2023

ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ጊሰን፣ ኣብ 8 ሓምለ 2023 ንዝተወደበ ፌስቲቫል ህግደፍ ደው ንምባሉ፣ ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተጠርነፉ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥ ኣብ ዘካየድዎ ተቓውሞ ድሕሪ ዝተወልዐ ናዕብን ዕግርግርን፣ ኣኽባር ሕጊ እታ ከተማ ኣብ ልዕሊ 181 ኤርትራውያን መርመራን ምጽራይን የካይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣኽባር ሕጊ ጊሰን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ጸጥታ እታ ከተማ ዘሪጎም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ኤርትራውያን ክሲ ከምዝመስረተ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ጎነጽ ተጠቒሙ ንዝበሎ ሓደ ኤርትራዊ ድማ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣሕሊፉ።

እቲ ወዲ 26 ዓመት ምዃኑ ዝተጠቕሰ ኤርትራዊ፣ ሞልቶቭ ኮክቴል ዝተባህለ፣ ኣብ ጠርሙዝ ዝመልአ ተባራዒ ባእታ፣ ናብ ፖሊስ ብምውርዋር’ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

እቲ ብኣኽባር ሕጊ ከተማ ጊሰን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ዝተመሓላለፈሉ መንእሰይ፣ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ብኻልእ ጉዳይ ተኣሲሩ ከምዘሎ ‘ዩ ተመልኪቱ።
ነቲ ኣብ ጊሰን ዝተኻየደ ናዕቢ ንምብታን፣ ብሄሊኮፕተር ዝተሰነዩ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኣባላት ፖሊስ ጀረምን ከምዝወፈሩ ኣይርሳዕን።

ኣብቲ እዋን’ቲ ኣስታት 131 ኤርትራ ኣብ ቀይዲ እኳ እንተኣተዉ፣ መብዛሕቶም ንምሽEቱን ንጽባሒቱን’ዮም ተፋንዮም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0