ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ቱሪዚም ኣብ ኣፍሪቃ ብ3.5% ክዓቢ ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 03 June 2020

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካብ ቱሪዝም ዝረኽብኦ ዝነበራ ኣታዊ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዳርጋ ናብ ዜሮ’ዩ ወሪዱ ዘሎ።

እቲ ለበዳ፣ ናህሩ ቀኒሱ፣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ መዓርፎ ነፈርቲ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ስሩዕ ኣገልግሎታቱ ንምጅማር ኣብ ምድላው ይርከብ።

ኣብ ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት፣ ናይ ክረምቲ ዕረፍቱ ዝኣትወሉ ወቕቲ’ውን ምስ ምዃኑ፣ ድሕሪ ኮረና ቫይረስ፣ ቱሪዝም ቀልጢፉ ክበራበር ካብ ዝኽእል ጽላታት ምዃኑ መጽናዕታት ይእምት።

ኣህጉራዊ ማሕበር ቱሪዚም (UNWTO) ብዘቕረቦ መጽናዕቲ መሰረት፣ በጻሕቲ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ድሕሪ’ዚ ለበዳ ብ3.5% ክውስኽ’ዩ።

ከም ኢትዮጵያ፣ ታንዛንያን ኬንያን ዝኣመሰላ ካብ ቱሪዝም ገዚፍ ኣታዊ ዝጸንሐን ሃገራት፣ እተን ብዝያዳ በጻሕቲ ከኣንግዳ ይኽእላ’የን ተባሂለን ተስፋ ተነቢሩለን ዘሎ’ዩ።

ከም ሲሸልስ፣ ኬፕ ቨርደ፣ ሳኦ ቶመን ሞሪሸንን ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ደሴታት ኣፍሪቃ ድማ ኣስታት 20% ዝጸንሐ ስራሕ ምስ ቱሪዝም ዝተተሓሓዘ’ዩ።

ብሓፈሻ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ቱሪዝም ዝተዋፈሩ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ስራሕ ዕድላት ስኢኖም ይርከቡ።

ኣብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ዝወሓደ በጻሕቲ ሃገራት እተእንግድ ሃገር ኤርትራ’ያ።

እዚ ድማ ብዘይካ’ቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ዕጹው ፖሊሲ፣ መእተዊ ቪዛ ንምርካብ’ውን ቀሊል ዘይምዃኑ’ዩ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0