ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ናብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ(EAC) 7ይቲ ኣባል ሃገር ኮይና ክትጽንበር’ያ

Radio Erena: 29 December 2021

ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ናብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ(EAC) 7ይቲ ኣባል ሃገር ኮይና ክትጽንበር ከምዝኾነት እቲ ማሕበረሰብ ድሕሪ ዘካየዶ ዋዕላ ኣፍሊጡ።

ኣባላት ሃገራት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሩንዲ፡ ኬንያ፡ ሩዋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ክኾና እንከለዋ እተን ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ‘ፈደረሽን ምብራቕ ኣፍሪቃ’ ኣቑመን ከም ሓንቲ ሃገር ኮይነን ክሰርሓ መደብ ኣለወን።

እተን ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ናጻ ዕዳጋ፡ ሓባራዊ ጸጥታውን ወተሃደራውን ስምምዓት ኣብ ሓደ ግበጽሓ እንከለዋ ኣብ ቀረባ መጻኢ ድማ ከም ሓንቲ ሃገር ኮይነን ክቕጽላ ከስርሐን ዝኽእል ቅዋም ኣብ ምንዳፍ ከምዘለዋ ይግለጽ።

ምጽንባር ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ናብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኩለን ኣባላት ሃገራት ሓንጎፋይ ኢለን ክቕበልኦ እንከለዋ፡ ኣብ ጫካታት እታ ሃገር ዓሪዶም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ብሓባር ኮንካ ንምድምሳስ በሪ ዝኸፍት እዩ ክትብል ኡጋንዳ ገሊጻ።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሞሰቬኒ፡ ኣብ ዓበይቲ ቀላያትን ምብራቕ ኣፍሪቃን ዘሎ ዞባዊ ሽግራት ገዛእቲ ሃገራት ዝሓደገኦ እዩ ክብል ብምኽሳስ፡ ሓቢርካ ምፍትሑ ዝሓሸ ኣማራጺ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ስምምዕ በጺሑ ፈደረሽን ከቕውም እንተኽኢሉ፡ ፖለቲካዊ ሕብረት ብምግባር ሓባራዊ ንጽል ዕዳጋ፡ ባጤራ፡ ባህላዊ መንነት፡ ሰራዊትን ወጻኢ ጉዳያትን ዝውንን ክኸውን እዩ።

ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ልዕሊ 180 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ይሓቁፍ።

ምቛም ፈደረሽን ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓድሽ ሓሳብ ከምዘይኮነ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታ 1960ታት ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ታንጋኒካን ዛንዚባርን ካብ ገዛኢተን ዝነበረት ብሪጣንያ ናጽነተን ኣብ ዝጓናጸፋሉ እዋን ከም ሓንቲ ሃገር ቆይመን ፈደረሽን ክምስርታ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ኔሩ።

ኣብ መደምደምታ እንተተበጺሑ፡ ርእሰ ከተማ ፈደረሽን ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ታንዛንያ ምስ ኬንያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ተደኲና እትርከብ ከተማ ኣሩሻ ክትከውን፥ እትጥቀመሉ ባጤራ ‘ሽሊን ምብራቕ ኣፍሪቃ’ ወግዓዊ ቋንቋ ድማ ኢንግሊዝ፣ ፈረንሳን ስዋሂሊን ክኸውን ምዃኑ ይግለጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0