ደንማርክ ንኤርትራውያን እትህቦ ፖለቲካዊ ዑቕባ ገደብ ክትገብረሉ ምዃና ትገልጽ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ይዝትያ፣

ደንማርክ ንኤርትራውያን እትህቦ ፖለቲካዊ ዑቕባ ገደብ ክትገብረሉ ምዃና ትገልጽ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ይዝትያ፣

Radio Erena: 28 November 2014

Denmark Immigration

ደንማርክ ንኤርትራውያን ክትህቦ ዝጸንሐት ፖለቲካዊ ዑቕባ ጽኑዕ ገደብ ክትገብረሉ ምዃና ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ እትፈልጥ ዘላ፣ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብታ ሃገር ኣመልኪቱ ብክፍሊ ስደተኛታት ድሕሪ ዝተኻየደ መጽናዕቲ’ዩ።

እቲ ብክፍሊ ስደተኛታትን እታ ሃገር ዝተኻየደ መጽናዕቲ ናብ ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ቀሪቡ ከምዘሎ’ውን ዘ ሎካል ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ድሕሪ’ቲ ቀሪቡ ዘሎ መጽናዕቲ ደንማርክ ሕጂ’ውን ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኤርትራውያን ክትቕበል ምዃና እኳ እንተፍለጠት፣ ኤርትራውያን ዑቕባ ንኽወሃቦም ኣዝዩ ዝሓየለ መስርሕ ምጽራይ ከተካይድ ምዃና ጸብጻብ ዘ ሎካል የመልክት።

 

ደንማርክ ንኤርትራውያን ክትህቦ ዝጸንሐት ፖለቲካዊ ዑቕባ ገደብ ክትገብረሉ ካብ ዘገደደ ጠንቕታት ሓደ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ምኽንያት ሃልይዎም ዘይኮነ ብኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ደላሎን ጥራይ ተደፋፊኦም ይመጹ ኣለዉ ዝብል’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣዝዮም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ይሓቱ ብምህላዎም እታ ሃገር ዝሓየለ ምጽራይ ንምክያድ ተገዲዳ ኣላ።

ነርወይ’ውን ብሰንኪ ተመሳሳሊ ምኽንያት፣ ዑቕባ ንዝተዋህቦም ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከይገሹ ዝኽልክል ናይ መጓዓዚ ሰነድ ወይ ትራቨል ደኩመንት ከተዳሉ ከምዝወሰነት ዝዝከር’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብዋሕዚ ስደተኛታት ዘማርራ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ኢጣልያ ከተማ ሮማ ኣኼባ የካይዳ ኣለዋ።

እቲ ትማሊ ዝጀመረ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ናይ 27 ሃገራት ሕብርት ኤውሮጳ ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ድሕነት ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ንምሕላውን ኣብ ዘተኮረ ነጥብታት’ዩ ዝዝቲ ዘሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣብ ዓመተ 2014 ልዕሊ 165 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክውሕዙ እንከለዉ፣ ኣስታት 3 ሽሕ ከኣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0