ደቡብ ሱዳን፣ ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ዝተመዛበሉ ንምሕጋዝ ናይ 358 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ትሓትት

Radio Erena: Wednesday, 11 October 2023

ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ኣብ ሞንጎ ክልተ ጀነራላት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ሚልዮናት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎምን ተሰዲዶምን ኣለዉ።

ሚኒስተር ሰብኣዊ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ኣልቢኖ ኣኮል ኣታክ ኣብ ጁባ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት ሱዳን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኪናት ናብ ደቡብ ሱዳን300 ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ኣፍሊጡ።

እዚ ቁጽሪ ናብ ፍርቂ ሚልዮን ክዓርግ ከም ዝኽእል ድማ እቲ በዓል ስልጣን ስግኣታቱ ገሊጹ።

ነዞም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንምሕጋዝ ድማ ናይ 358 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መንጎ ኲናት ተቐርቂሮም ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ውን እንተኾኑ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝሰገሩ ከም ዘለዉ ኣቐዲሙ ኣብ ሬድዮ ኤረና ተገሊጹ ኔሩ እዩ።

ኣብ ከተማ ጁባ ዝርከብ ማሕበረሰብ ንግዲ ኤርትራውያን፣ ኣቐድም ኣቢሉ ንደቡብ ሱዳናውያን ተመለስቲ ዝኸውን ረዲኤት ንምግባር ናይ 100 ሚልዮን ፓውንድ ደቡብ ሱዳን ሓገዝ ምግባሮም ይገልጹ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቲ ናይ ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ ረዲኤት ኣፍልጦ ንምሃብ፣ ካብ ሱዳን ንዘምልጡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዓቕሙ ደገፍ ክገብር ከምዝኾነ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0