ዚምባብዌ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንዘንጸላለዋ ቅልውላው ቁጠባ ንምሕዋይ ኣህጉራዊ ሓገዝ ሓቲታ

Radio Erena: 04 May 2020

መንግስቲ ዚምባብዌ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግትእ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ብሰንኪ ዘጋጥሞ ዘሎ ተወሳኺ ቅልውላው ቁጠባ፣ ኣህጉራዊ ሓገዝ ምሕታቱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ሚኒስተር ፋይናንስ ኑሲበ ሙቱሊ፣ ናብ ባንክ ዓለም፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ እታ ሃገር ኣህጉራዊ ሓገዝ እንተዘይረኺባ፣ ዘቤታዊ ቁጠባኣ ክዓኑ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ዚምባብዌ ኣስታት 10% ካብ ዓመታዊ ጃምላዊ እቶታ ወይ ድማ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር’ያ ሓገዝ ትሓትት ዘላ።

እታ ሃገር ዝጸንሓ ናይ ቢልዮናት ዕዳ ከይከፈለት ተወሳኺ ናይ ቢልዮናት ልቃሕ ክፍቀደላ ከምዘይክእል’ዩ ዝንገር።

ኣብ ርእሲ’ዚ ምስ ሃገራት ምዕራብ ዝጸንሓ ፖለቲካዊ ምስሕሓብን ኣብ ቁጠባ ዘለዋ ፖሊሲን ኣህጉራዊ ሓገዝ ንኸይትረክብ ዕንቅፋት ምዃኑ ይጠቅስ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምምካት፣ ዝጸንሐን ዕዳ ክውንዘፍን ተወሳኺ ልቃሕን ምወላን ድማ ክፍቀደለንን፣ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን እኳ እንተገምገሙ፣ እቲ ግና እተን ሃገራት ምስ ዘለወን ፖለቲካውን ቁጠባዊን ፖሊሲታት ዝፈላለን ቅድመ ኩነታት ዘቐምጥን ክኸውን ከምዝኽእል ‘ዮም ተንተንቲ ዘረድኡ።

ንህዝባ ኣኺሉ፣ ንሰድድ ብእትልኮ ፍርያት፣ ሞሶብ ኣፍሪቃ እናተባህለት እትግለጽ ዝነበረት ዚምባብዌ ኣብዚ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ቁጠባኣ እናተረመሰ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ከተኽይድ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ’ያ በጺሓ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0