ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ቀቲሎም

Radio Erena: 12 August 2022

ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ዶባ ኢትዮጵያ ሰጊሮም፣ ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝኸፈትዎ ቶኽሲ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝቐተሉ ንፖሊስ ኮሚሽን ናይቲ ክልል ብምጥቃስ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ካብ ቀቢላ ሙርለ ዝኾኑ ዕጡቓት፣ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም፣ ኣብ ከባቢ ዲማ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣኩጉ፣ ብ8 ነሓሰ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፣ ክልተ ቆልዑ ‘ውን ከምዝጨወዩ’ዩ ተሓቢሩ።

ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ጸጥታ እቲ ከባቢ ከምዘረጋግኡ ዝሓበረ ፖሊስ ክልል ጋምቤላ፣ መጥቃዕቲ ንዝፈጸሙ ናይ ምህዳንን ዝተጨዩ ቆልዑን ናይ ምድላይን ይቕጽል ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ናብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ከምዘካይዱ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብ 2015 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ፣ ልዕሊ 140 ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ፣ ኣስታት 250 ቆልዑ ከምዝጨወዩ ጸብጻባት ዜና የመልክት።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0