ዓመተ 2014፣ ዓመተ ለውጢ ንኽትከውን ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ጻዕርታቶም ከሓይሉ ምዃኖም ተመባጺዖም

Radio Erena: January 1, 2014

 

ዓመተ 2014: ዓመተ ለውጢ ክትከውን ጻዕርታቶም ከሐይሉ ምዃኖም ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ገሊጾም።

2013 ከም ፍጻሜ ፍሮቶ ዝኣመሰለ ኣብ ታሪኽ እዚ 21 ዓመት ናይ መጀመርያ ተርእዮታት ዝተኸስተላ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ እቶም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ እዚ ድማ ህዝቢ ሰራዊትን ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ለውጢ ደልዩ ከምዘሎ ዝእንፍት’ዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

 

2013 ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ዝኣዳ ይእመን’ዩ ዝብሃል ጽላታት ህግደፍ፣ ህድማ ምክትል ሚኒስተር ዝርከቦም ሓያሎ መኮንናት ዝተራእየላ ምዃና ብምጥቃስ፣ እዚ’ውን ሓደ ካብቲ ምልክታት ናይ ለውጢ ድሌት ምዃኑ ኣገንዚቦም።

2014 ዝዓበየ ካብ ዝሓለፈት ዓመት ብዝያዳ፣ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንክህሉ ክሰርሑ ምዃኖም ደጊም ብምርግጋጽ ድማ፣ ነዚ ዕላም እዚ ንምትግባር፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻኢ ሃገርን ዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ሰሚሩ ደው ክብል ጸዊዖም።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0