ውድብ ጥዕና ዓለም ንፕረዚደንት ሙጋበ ዝሃቦ ናይ ክብሪ ኣምባሳደር ኣሕዲግዎ

ውድብ ጥዕና ዓለም ንፕረዚደንት ሙጋበ ዝሃቦ ናይ ክብሪ ኣምባሳደር ኣሕዲግዎ

Radio Erena: 24 October 2017

mugabe

ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ንፕረዚደንት ሃገረ ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ዝሃቦ ናይ ክብሪ ኣምባሳደር ከምዘሕደጎ ኣፍሊጡ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ብዛዕባ ምምንዛዕ ናይ ክብሪ ኣምባሳደር፣ ፕረዚደንት ሙጋበ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ጽላት ጥዕና ዚምባብዌ፣ ካብቲ ካልእ ጽላታት እታ ሃገር ብዘይፍለ ተዳኺሙ ብምህላዉ፣ እቲ ውድብ ናብዚ ውሳነ ከምዝበጽሐ ኣነጺሩ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ፕረዚደንት ሙጋበ ኣብዚ ናይ 37 ዓመት ዘመነ ስልጣኑ፣ ምዕሩይ ዝርግሐ ኣገልግሎት ጥዕና ኣተኣታትዩ እኳ እንተነበረ፣ ካብ 2000 ኣትሒዙ ግና ምስ ምውዳቕ ቁጠባ እታ ሃገር፣ ጽላት ጥዕና’ውን ዳርጋ ናብ ዘየለ ደረጃ ወሪዱ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

 

ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ክኢላታትን ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጥዕና ዚምባብዌን ካልኦትን ድሕሪ ምዝርራብ፣ ፕረዚደንት ሙጋበ ኣብዚ እዋን’ዚ ንናይ ክብሪ ኣምባሳደር እቲ ዝልዓለ ናይ ጥዕና ኣህጉራዊ ትካል ከምዘይበቅዕ’ውን ዶክተር ቴድሮስ ኣብ መወዳእታ ደምዲሙ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ኣብ ዝተመርጸሉ፣ ፕረዚደንት ሙጋበ ብዘለዎ ናይ ክብሪ ኣምባሳደር ኣብቲ ዞባ ጸላዊ ኣበርክቶ ክህልዎ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ኔርዎ።

እንተኾነ እቲ ሓደ ካብ ዕሉላት ውልቀ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃኑ ዝዝረበሉ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ናይ ክብሪ ኣምባሳደር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ድሕሪ ምርቁሑ፣ ሓያሎ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ተቓውሞታተን ከስምዓ ጸኒሐን’የን።

ዕድመ ደፊኡ ዝርከብ ወዲ 93 ዓመት ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ብሰንኪ እርጋን ስሩዕ ንጥፈታት የካይድ ከምዘየሎን ተደጋጋሚ እዋን ናብ ወጻኢ ሃገራት ንሕክምና ከምዝመላለስን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0