ዋንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦዪንግ 737 ወዲቓ ብምሕምሻሻ 157 ሰባት ሞይቶም

ዋንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦዪንግ 737 ወዲቓ ብምሕምሻሻ 157 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 11 March 2019

ዋንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦዪንግ 737 ወዲቓ ብምሕምሻሻ 157 ሰባት ሞይቶም።

ናይታ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተበጊሳ ሰምበት 10 መጋቢት ንግሆ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓጺር ዕረፍቲ ኣካዪዳ ናብ ናይሮቢ እተምርሕ ዝነበረት ነፋሪት ቀዳማይ ፓይለት ካፕቴን ያሬድ ጌታቸው፣ ድሕሪ ምብጋሶም፣ ተክኒካዊ ጸገማት ኣጋጢሙዎ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኤርፖርት ክምለስ ሓቲቱ ምንባሩ ይግለጽ።

ኣካያዲ ስራሕ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ጠንቂ ሓደጋ ናይታ ነፋሪት ምሉእ መርመራ ተገይሩ ኣብ ዝተጻፈፈሉ እዋን ንህዝቢ ክንገር ምዃኑ ሓቢሩ። እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ሓደጋ ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ ንምዃኑን ዘይምዃኑን ምግላጽ ኣሸጋሪ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ተመሳሳሊት ስራሓት ዝኾነት ቦዪንግ 737 ኣብ ኢንዶኔዥያ ወዲቓ ምሕምሻሻ ዝፍለጥ’ዩ።

ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ በዚ ሞት ናይ’ዞም 149 ተጎዓዝትን 8 ኣባላት እታ ነፋሪትን ዘስዓበ ዘሕዝን ፍጻሜ፣ ናይ ሓዘን መልእኽተን ኣመሓላሊፈን ኣለዋ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብወገኑ፣ ብስም ህዝብን ሃገርን ኢትዮጵያ፣ ንኩሎም ኣባላት ስድራቤት’ቶም ግዳያት ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኣብዛ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ 47 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ቢሾፍቱ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ዝነበሩ ተጎዓዝቲ ናይ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ጂቡቲ፣ ሶማልያ ዝርከብዎም ዜጋታት 35 ሃገራት ምንባሮም ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ይገልጻ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0