ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ሶማል ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 12 April 2023

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረሽ፣ ናብ ሶማል ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ብ11 ሚይዝያ ናብ ሞቛድሹ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣብሽር ዑመር ሑርሲ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ሶማል፣ ብቀይሕ ምንጻፍ ዝተሰነየ ኣቐባብላ ጌርሉ።

ንሱ፣ ናብታ ሃገር ዝበጽሕ ዘሎ፣ ብኵናትን ደርቂን ንዝተሃስየት ሶማል፣ ኣብ ህጹጽ ረዲኤትን ዳግመ ሕውየትን ዝውዕል ናይ 2.6 ቢልዮን ዶላር ምወላ ኣብ ዝሕተተሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

መወልቲን ለገስቲን ሃገራት፣ ኣብ ጎኒ ሶማል ደው ክብላ ዝሓትት ዘሎ ሕቡራት ሃገራት፣ ዛጊት 13% ካብቲ ዝሕተት ዘሎ ገንዘብ ጥራይ ከምዝተኣከበ ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፉ ጉተረሽ፣ ኣብዚ ናይ ሶማል ዑደቱ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሶማል ብምትኳር ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ተመያይጡ።

ከተማ ሞቛድሾ፣ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ንዘካየደ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ንምትእንግዳ፣ ዝበዝሐ ጎነዳናታት ምእንቲ ውሕስነት ጸጥታ ዕጹው ኮይኑ ከምዝወዓለ ተሓቢሩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0