“ዋሕዚ ስደተኛታት ደው ንኽብል፣ ንኤርትራውያን ብፍሉይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝህብ ፖሊሲ ሕ/ኤ ከቋርጽ ኣለዎ” ሚ/ጉ/ወጻኢ ኤርትራ

Radio Erena: 17 October 2016

Osma

ሃገራት ኤውሮጳ ንኤርትራውያን ብፍሉይ ዝህብኦም ዘለዋ ፖለቲካዊ ዑቕባ ደው ከብልኦ መንግስቲ ኤርትራ ጻውዒት የቕርብ ከምዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ብጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ንምዝርራብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዑደት ምክያዱ ይፍለጥ።

እቲ ሚኒስተር ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝጸንሓሉ ከኣ፣ ጠንቂ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘይኮነ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ንኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ክወሃብ ሒዘንዎ ዘለዋ ፖሊስ’ዩ ክብል ሓቢሩ።

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ደው ክብል ዝኽእል ከኣ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ነዚ ፖሊሲ’ዚ ደው ምስ ዘብልኦ ጥራይ’ዩ ክብል ደምዲሙ።

ኣቐዲሙ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ካርቱም ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይብሉ ዝሓበረ ሚኒስተር ዑስማን፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይቕጽል ከምዘሎ’ውን ተኣሚኑ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ንሓያሎ ዓመታት ክኽህዶ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ውዲት ሲኣይኤን፣ ንኤርትራውያን ብፍሉይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝህብ ፖሊስን፣ ኤርትራውያን ብብዝሒ ይስደዱ ከምዘለዉ ብወግዒ ክዛረበሉ ይስማዕ ኣሎ።

ኣስታት 5.5 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ፣ ነተን ዝተዓጻጸፈ ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት በሊጻ፣ ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ስደት ካብ ዘምርሑ ዘለዋ ሃገራት ዓለም ተባሂላ ኣብ ቅድሚት ከምእትስራዕ ኣህጉራውያን ጸብጻባት የረድኡ።

ሃገራት ዓለም፣ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ደረቱ ዝሓለፎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኑ ብምእማን፣ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ክወሃቦም ከምዝወሰና ዝፍለጥ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0