ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ስልጣኑ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ሕብረት ኣፍሪቃ ጸዊዑ

Radio Erena: 17 April 2019

ንፕረዚደንት በሺር ብዕልዋ ዝኣለየ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ስልጣኑ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ከሰጋግር ሕብረት ኣፍሪቃ ጸዊዑ።

እቲ ወትሃደራዊ ባይቶ፣ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምስርት እንተዘይክኢሉ፣ ሱዳን ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክትድስክል ምዃና እቲ ሕብረት ኣጠንቒቑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ እኳ እንተኾነነ፣ ንክልተ ዓመታት ስልጣን ክሕዝ ምዃኑ ዝገለጸ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ጠለብ ህዝቢ ሱዳን ንምምላእ ደኣ’ምበር ስልጣን ንምብሓት ንፕረዚደንት በሺር ከምዘይኣለዮ’ዩ ዘመልክት።

ካብ ሲቪላዊ ወገን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሸይም ምዃኑ’ዩ ይጠቕስ።

እንተኾነ ህዝቢ ሱዳን፣ ኣልበሽር ጥራይ ዘይኮነ ምሳርሕቱ ዝነብሩን ስርዓቱን ጠቕሊሎም ክእለዩን ሓድሽ ሲቪላዊ መንግስቲ ክምስተርን ብምጥቃል ተቓውምኡ ይቕጽል ኣሎ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግብጽን፣ ንወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ዘለወን ደገፍ ብወግዒ ክገልጻ እንከለዋ፣ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ድማ፣ ንመርገጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምድጋፍ፣ እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ይምሕጸና።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሓሙሽተ ሃገራት፣ እተን ሰለስተ፣ ሶማል፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ርጉእ ማእከላይ መንግስቲ የብለንን።

ኤርትራን ጅቡቲን ብተዛማዳ ርግኣት ዘለዎም መንግስቲ ዝውንና እኳ እንተኾና፣ ጠንቂ ምብትታን ሃገራት እቲ ዞባ፣ ትካላዊ መንግስታት ዘይምቛሙን፣ ውሑስ ዴሞክርሳያዊ ምስግጋር ስልጣን ዘይምህላውን ብምዃኑ፣ መጻኢ እዘን ሃገራት’ውን ኣሻቓሊ ይግበሮ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ካብ ግጭትን ምብትታን መንግስታትን ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0