ወራስ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኮይኑ

Radio Erena: 29 September 2022

ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ፣ ንወዱ ወራሲ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ክኸውን ሸይምዎ።

እቲ ሽመት፣ እቲ ስልጣን ኣቡኡ ክርከብ ዝዳሎ ዘሎ ወዲ 37 ዓመት ወራሲ ዓራት፣ ወግዓዊ መራሒ መንግስቲ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ጽምብላዊ መስርሕ ‘ዩ ክብሉ’ዮም ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ዘረድኡ።

ንሱ፣ ንኣቡእ ብምትካእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ካብ 27 መስከረም ድሕሪ ምሻሙ፣ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ናይ ምርቋሕን ምስጓግን ምሉእ ስልጣን ክህልዎ’ዩ።

ብንጉሳዊ ስርዓት እትመሓደር ስዑዲ ዓረብ፣ መራሒ ሃገር ይኩን መራሒ መንግስቲ እቲ ንጉስ ባዕሉ’ዩ።

ብሕማም ይሳቐ ከምዘሎ ዝንገረሉ፣ ወዲ 86 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ንጉስ ሳልማን ዓብደልዓዚዝ፣ ብህወይት ክሳብ ዘሎ ንጉስ እታ ሃገር ኮይኑ ክቕጽልን ወዱ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን መንግስቲ ክመርሕን’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን ከም ሚኒስተር ምክልኻልን ምክትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ንስዑዲ ዓረብ ናብ ሓድሽ መድረኽ ናይ ምስግጋር ራኢ 2030 ዝተሰምየ መደባት ከተግብር ምዃኑ’ዩ ዝጉስጉስ።

ንደቂንስትዮ ብተዛማዲ ዝሓሸ መሰል፣ ስዑዲ ዓረብ ገለ ክፋል መዓጹታታት ንበጻሕቲ ሃገር ክትከፍትን ኣብ መሸጣ ነዳዲ ጥራይ ዝተሓጽረ ቁጠባ እታ ሃገር ካልእ ኣማራጺታት ክርከቦም ካብቲ ኣብቲ ንዝቕጽል ሸሞንተ ዓመታት ክትግበር ካብ ዝጸርዖ መደባት’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ተቓውሞ ከምዘይጻወር፣ ናጽነት ፕረስ ከምዘይፈቅድን፣ ከም እምነት ዝኣመሰለ መሰላት ደቂሰብ ‘ውን ከምዘየኽብርን ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሱ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0