ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ

Radio Erena: 22 March 2020

ተላባዒ ሕማም ኮሮና ቫይረስ  ኣብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ሚኒስትሪ ጥዕና ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ዜና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ንሓደ ካብ ኖርወይ ዝኣተወ ኤርትራዊ ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ረዲኤት የእትውዩዎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ወዲ 39 ዓመት ምዃኑ ዝተገልጸ ኤርትራዊ፣ ተሰካሚ ቫይረስ ኮሮና ሙዃኑ ተነጊሩዎ ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሓሚሙ እንከሎ ንምንታይ ናብ ኤርትራ ክጎዓዝ ከምዝወሰነ ግና ንብዙሓት ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ኣሎ።
ኤርትራ በዚ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኽፈት ድሒራ ደኣ ተፍልጥ እምበር፣ ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ዘድሊ ምቅርራባት ከምዘይገበረት እዩ ዝንገር ዘሎ።
ብኣንጻር’ቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ዝገልጾ ድሉውነት፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምእካብ ይኹን ካልእ መዓልታዊ ንጥፈታት ህዝብን መንግስትን ከም ቀደሙ ይቕጽል ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።
ብመሰረት ትካላት ጥዕና ዓለም ዘቕርቦኦ ዘለዋ ጸብጻባት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ግብጺ፣ ኣልጀሪያን፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ልዑል ሓደጋ ከንጸላልወን ከሎ፣ ብድሕሪኡ ተሰሪዐን ዘለዋ ከኣ፣ ናይጀሪያ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኣንጎላ፣ ታንዛኒያ፣ ጋናን ኬንያን እየን።
ኣብ ምክልኻል እቲ ለበዳ ግና፣ ኤርትራ እውን ዝኣክል ኣስተምህሮ፣ ማተርያላውን ናይ ሰብ ሞያ ሕጽረትን ስለዘለዋ፣ እቲ ለበዳ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ከቢድ ከይከውን ተሰጊኡ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar
    Doctor 4 years ago

    “ብኣንጻር’ቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ዝገልጾ ድሉውነት፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምእካብ ይኹን ካልእ መዓልታዊ ንጥፈታት ህዝብን መንግስትን ከም ቀደሙ ይቕጽል ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።”  
    ኣብ ሓንቲ ሃገር ለበዳ ዘይተራኤላ ንመንታይ ደወ ክብል? ደው ምባል አብዚ ደረጃ ኣዝዩ ሃሳይ ጥራይ ኢዩ።

  • comment-avatar
    Doctor 4 years ago

    ኣብ ሓንቲ ሃገር ለበዳ ዘይተራኤላ ንመንታይ ደወ ክብል? ደው ምባል አብዚ ደረጃ ኣዝዩ ሃሳይ ጥራይ ኢዩ።

  • comment-avatar
    Teklit 4 years ago

    Eritrea nezi telabai zkone hmam dlwneta zeyereetlu mknyat entay eyu? Meredaeta mdelena.