ኣፍሪቃ፣ ንመኸተ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተዳልያ ክትጸንሕ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

Radio Erena: 20 March 2020

ምስፍሕፋሕ ኮረናቫይረስ ኣብ 33 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተራእየ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ እታ ኣህጉር ንመኸተ ለበዳ እቲ ቫይረስ ድልውቲ ክትከውን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዘኻኺሩ።

ኣብዘን 33 ሃገራት ኣፍሪቃ ዛጊት 17 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ከምዝሞቱን ኣስታት 600 ሰባት በቲ ከምዝተለኽፉን ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ እቲ ቁጽሪ ካብዚ ክዛይድ ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት ዘሎ።

እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ምዕቡል መከታተሊን መመርመሪ ናውቲ ሕክምና ምስ ዘይምህላዉ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ’ዩ ውድብ ጥዕና ዓለም ስክፍትኡ ዝገልጽ።

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ መዐቐኒ ሙቐት ተኺለን ንምክትታሉ ይጽዕራ እኳ እንተለዋ፣ እቲ ቫይረስ ክንዮ’ዚ ዝኸደ ምክታልን ሕክምናዊ መርመራታትን ከምዘድልዮ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባቲ እቲ ቫይረስ ዘሎ መረዳእታ ውሕዱ ምስ ምዃኑ፣ ካብ ኤውሮጳውያን ወጻእተኛታትን ቻይናውያን ጥራይ ዝላገብ ዝመስሎም ሓያሎ ዜጋታት ዝተፈላለይ ሃገራት እዛ ኣህጉር ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ክቱር ጽልኢን ፍርሒን የሕድሩ ምህላዎም ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ናይጀርያን ብፍላይ ንወጻእተኛታት ክሳብ መጥቃዕቲ ዝኸደ ስጉምታት ተወሲድሎም’ዩ።

እንተኾነ እቲ ሕማም ከም ተራ ሰዓል መሳሊ ምስ ምዃኑ፣ ወጻእተኛታት ብምኽልካል ጥራይ ዝግታእ ዘይኮነ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ኣብ ውሻጠአን ዝግባእ ጎስጓስን ምድላዋትን ክገብራ’ዩ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝጽውዕ ዘሎ።

ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ቻይና ናህሪ እናጎደለ ክመጽእ እንከሎ፣ ብኣንጻሩ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ብፍላይ ኣብ ኢጣልያ ብዝያዳ’ዩ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ።

ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ቫይረስ ንምምክታ ወሲደንድኦ ዘለዋ ስጉምታት ክዕወታሉ እንተኽኢለን፣ እቲ ዝዓበየ ስክፍታ ናይቲ ቫይረስ ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከይወርድ ዝዓበየ ስክፍታ ኣሎ።

ዛጊት እተን ዝበዝሐ ምልክታት እቲ ሕማም ዝተራእየን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን’የን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0