ርክብ ፕረዚደንታት ኬንያታን ፋርማጆን ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ተሰሪዙ

Radio Erena: 22 March 2020

ዝምድና ሶማልን ኬንያን ንምምሕያሽ ዝዓለመ ዘተ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፣ ንዘይተፈልጠ እዋን ከምዝተናወሐ ተገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣሕመድ ዒሳ ዓወድ ምስ ማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ምስራዝ እቲ ርክብ፣ ከምቲ ማዕከናት ዜና ዝገልጾኦ ዘለዋ ዘይኮነ፣ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምዃኑ ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ቃሉ፣ እቲ ንዕለት 26 ግንቦት ዝተመደበ ርክብ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኩነታት ኣብ ዝጠዓመሉ ክቕጽል ሙዃኑ ገሊጹ። ፕረዚደንታት ኬንያታን ፋርማጆን ዘካየዱዎ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ብኣላዪነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ’ዩ ተባሂሉ ንዝወጸ ሓበሬታ፣ እቲ ሚኒስተር፣ ናይ ቴሌፎን ርክብ ከምዝነበረ እኳ እንተተኣመነ፣ ብመንጎኝነት ኢትዮጵያ ንምዃኑ ግና ናይ ኣሉታ ምላሽ እዩ ሂቡሉ።
ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ናይ ጸጥታን ምርግጋእን ውዕል ዝኸተማ ሃገራት ኣብ ርእሲ ምዃነን፣ ኣብቲ ዞባ ከጋጥም ንዝኽእል ምርጻም ንምውጋድ እውን ብሓባር ክሰርሓ ስምምዕ ከምዘለወን እዩ ዝንገር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0