ክሳብ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦታት ናብ ታዕሊም ክወርዱ ካልኣይ ጻውዒት ቀሪቡ

ክሳብ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦታት ናብ ታዕሊም ክወርዱ ካልኣይ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 21 October, 2014

Hizbawi Serawit

ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዝተነግሮም ክሳብ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት፣ ትማሊ ሰኑይ 20 ሰነ ኣብ ዘዝተመደበሉ ከባቢታት ምምሕዳር ክርከቡ ዝቐረበ ጻውዒት፣ እወታዊ ምላሽ ከምዘይረኸበ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ጎደናታት ሓያሎ ከባቢታትን ምምሕዳራት ዝተለጠፈ ሓበሬታ፣ እቶም ኣባላት ሰራዊት ናብ ታዕሊም ክብገሱ ናብ ዘዝተመደበሉ ምምሕዳር ክርከቡ ዝብል እንተዘይኮይኑ፣ ናበየናይ ቦታ ክውሰዱ ምዃኖም ኣይሕብርን’ዩ።

እተን ምምሕዳራት፣ ነዞም ክሳብ 50 ዓመት ዝዕ ድሚኦም ናብ ታዕሊም ምውራድ ሓንጊዶም ዝርከቡ ኣቦታት፣ በቲ መንግስቲ ወጢንዎ ዘሎ ምዕዳል ሓድሽ መንነት ወርቐትን ኩፖንን ካልእ ሳዕቤናትን ከፈራርሓ ጀሚረን ምህላወን’ውን እቲ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

 

መንግስቲ ኤርትራ ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ብረት ንዘዕጠቖም ክሳብ 50 ዝዕድሚኦም ኤርትራውያን ኣቦታት ግቡእ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ዘሕለፎ ትእዛዝ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተገሊጹ’ዩ።

እቶም ኣቦታት ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዝቀረበሎም ቀዳማይ ጻውዒት ስለዘይተቀበሉ’ዩ መንግስቲ ካልኣይ መጸዋዕታ ክገብር ተገዲዱ ዘሎ።

ስእሊ፣-ካብ ኣስማሪኖ

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0