ኬንያ: ሓደ ሽሕ ፖሊስ ናብ ሃይቲ ክትልእኽ እያ

Radio Erena: Monday 02 October 2023

ሃይቲ ኣብ ካሪብያን እትርከብ ምስ ዶመኒካን ሪፖብሊክ ብሓባር ኣብ ሓንቲ ደሴት ዝቖመት ንእሽቶ ሃገር እያ።

ዝበዝሕ ካብቲ 11.4 ሚልዮን ህዝባ ካብ ኣፍሪቃ ብኤውሮጳውያን ብፍላይ ድማ ፈረንሳ ብጊላነት ዝተወስዱ ኮይኖም ሃይቲ ነጻ ሃገር ካብ እትኸውን ልዕሊ 200 ዓመት ኣቑጺራ ትርከብ።

ሃይቲ ናይ መጀመርታ ብጸለምቲ ዝቖመት ሪፖብሊክ’ኳ እንተኾነት ብፖለቲካዊ ዘይርጉእነትን ባህርያዊ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬትን ህቦብላ ንፋስን ዝዓነወት ሃገር ክትከውን ቀሲብዋ እዩ።

ፖለቲካዊ ሃዋሁው እታ ሃገር ንምህዳእ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክሳብ ብራዚል ክሳብ ህንድን ክኒኡን ዓቃብ ሰላም ወተሃደራትን ፖሊስን ተላኢኾም ዝኾነ ፋይዳ ኣየምጽኡን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እታ ሃገር ዳርጋ ፍርቃ ብዕጡቓት ኣሸበርቲ በጋሚንዶታት እያ ተታሒዛ ዘላ: እዞም ዕጡቓት ሰብ ኣብ ምቕታልን ኣብ ምዕማጽን ምዝራፍን ዝተዋፈሩ እዮም።

ነዚ ንምህዳእ ውድብ ሕቡራት ሃገራት – ጸጥታ ሃይቲ ናብ ንቡር ንምምላስ ሃገራት ኣባላት ፖሊስ ክልእካ ድሕሪ ዘቕረቦ ጸውዒት ኬንያ ሓደ ሽሕ ፖሊስ ክትልእኽ ምኳና ሓቢራ ኣላ።

ጸጥታ ሃይቲ ድማ ምስ ፖሊስ ካልኦት ሃገራት ብምትሕብባር ብኬንያ ክምራሕ ምኳኑ ተገሊጹ።

እንተኾነ እዞም ምስ በጋሚንዶታት ናይ ምውጋእ ክእለት ንዘለዎም ፖሊስ ብራዚል ዘሓለሉ ዕጡቓት ብፖሊስ ኬንያ ክምከቱ ክሳብ ክንደየናይ ክውንነት ክህልዎ እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0