ኬንያ፣ 11 ኣባላት ፖሊስ ተቐቲሎም

Radio Erena: 16 June 2019

ኣብ ዶብ ኬንያን ሶማልን ኮለላ ኣብ ልዕሊ ዘካዪድ ዝነበረ ቃፍላይ ፖሊስ ኬንያ ብዝወረዶ ናይ ነታጒ ሓደጋ፣ ብዉሑዱ ዓሰርተ ሓደ ኣባላት ፖሊስ ከምዝተቐትሉ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ኬንያ ካብ ጉጅለ ኣልሸባብ ክመጻ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምቁጽጻር፣ ዶባ ብምስጋር ገለ ክፋል መሬት ሶማል ክትከታተል ጸኒሓ’ያ።

ትማሊ 15 ሰነ፣ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ተመሳሳሊ ሓለዋ ዘካዪዱ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ዝበዝሑ ምዉታትን ቁሱላትን ኮይኖም ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፣ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነታጒ እውን ብውሑዱ ሸሞንተ ኣባላት ፖሊስ ህይወቶም ስኢኖም ከምዘለዉ፣ ዘ ጋርዲያን ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕታት ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ ከምዘሎ ወሃብ ቃል’ቲ ጉጅለ ዓብዲያሲስ ኣቡ ሙሳብ ኣፍሊጡ።

ኬንያን ሶማልን ኣብ ዶባተን ብዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣልሸባብ ጸጥታዊ ስግኣት ከምዘለወን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብጉዳይ ዋንነት ማያት እውን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ቁርቁስ ኣትየን ምቕናየን በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0