ካብ ጅዳ ናብ ኣስመራ ብመንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝተበገሱ ገያሹ ንመዓልታት ይደናጎዩ

ካብ ጅዳ ናብ ኣስመራ ብመንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝተበገሱ ገያሹ ንመዓልታት ይደናጎዩ

Radio Erena: 08 July 2016

Erlines

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ጅዳ- ኣስመራ ንዝመላለሱ ገያሹ ንመዓልታት የደናጉዮም ምህላዉ ተሓቢሩ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝጥቐሙ ገያሹ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሑዞም ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተመደበ ግዜ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጀዳን ርያድን ክጽበዩን፣ ኣብ ገለ እዋናት ከኣ ክሳብ ሰለስተ መዓልታት ይመላለሱን ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ገያሾ መዓልታዊ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ክመላለሱ፣ ናይ ታክስን ካልእን ተወሳኺ ወጻኢታትን ብምብኻኖም፣ ካብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ እኹል መብርሂ ይኹን ካሕሳ ክወሃቦም ዘይምኽኣሉ ከምዘሕዘኖም’ውን ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ቤተሰብን መቕርብን ናይ ሓደ ሓደ ገያሹ ኣማሪሮም።

 

ምድንጓያትን ምምልላስን ኣብ ዘጋጥመሉ፣ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ንገያሹ “ብቴሌፎን ክንሕብረኩም ኢና” ካብ ምባል ሓሊፉ፣ ካልእ ፍታሕ ከናድየሎም ብዘይምኽኣሉ ከምዘቆጠዖም ይገልጹ።

ጠንቒ’ዚ ክንድዚ ዝኣክል ምድንጓይ፣ ቴክኒካዊ ጸገም ነፋሪት ምዃኑ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ከምዝተሓበሮም’ዮም ዝጠቕሱ።

እቲ መንገዲ ኣየር ብዘይካ ካብ ኣስመራ – ጂዳን ሪያድን ናብ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ዱባይን’ውን ኣብ ገሊኡ ኣብ ሰሙን ሃንሳብ ኣብ ገሊኡ ከኣ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ በረራታት ኣለዎ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ በብእዋኑ ከጋጥሞ ብሰንኪ ዝጸንሐ ክሳራታትን ቴኒካዊ ጸገማት ነፈርትን ተደጋጋሚ እዋን ጠቕሊሉ ስርሑ ደው ከብል ከምዝተገደደ ዝፍለጥ’ዩ።

ካብ 2014 ንደሓር ከኣ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ ኢስት ኣየርን መንገዲ ኣየር ዩክሬይንን ብኽራይ ብዘምጽአን ነፈርቲ ቦይንግን ኣየርባስን ዝዓይነተን ክልተ ነፈርቲ ዳግም ስርሑ ከምዝጀመረ ይዝከር።

ኣስመራ-ጀዳን ሪያድን ዝመላለሳ መንገዲ ኣየር ስዑዲ፣ የመንን ኤርትራን እኳ እንተነበራ፣ መንገዲ ኣየር የመን ብሰንኪ ዘሎ ናይ ኵናት ሃዋሁ በረራታቱ ኣቛሪጹ’ዩ ዝርከብ።

===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0