ካብ ውሸባ ክሃድም ዝፈተነ ኤርትራዊ መኪና ተረጊጹ ሞይቱ

Radio Erena: 09 September 2020

ኣብ ኢጣልያ፣ ዞባ ሲሲልያ፣ ኣብ ሓደ ሓተቲ ዑቕባ ዝተታሕዝሉ ህንጻ፣ ኣብ ውሸባ ተታሒዙ ዝነበረ ኤርትራዊ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ፣ ብመኪና ተረጊጹ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

20 ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ብ4 መስከረም ካብቲ ተታሒዞምሉ ዝነበሩ ህጻን ድሕሪ ምህዳሞም፣ እቲ ኣብ ክሊ 20 ዓመት ዝርከብ ኤርትራዊ፣ ወጋሕታ መካይን ብናህሪ ኣብ ዝሕንበባሉ ጽርግያ ድሕሪ ምእታዉ’ዩ ተገጭዩ።

ብናህሪ እትሕንበብ ዝነበረት መኪና፣ ነቲ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ክትቀትል እንከላ፣ ዝስዕብዎ ንዝነበሩ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ድማ ኣቝሲላ።

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ፣ ካብ ኮረና ቫይረስ ናጻ ምዃኖም ክሳብ ዝረጋገጽ፣ ኣብ ሓደ ህንጻ ተጨቓጪቖምን ብዘይምቹእ ኩነታትን ስለዝነበሩ ካብቲ ዝተታሕዝሉ ህንጻ ክሃድሙ ከምዝፈተኑ እተን ማዕከናት ዜና የመልክታ።

16 ካብቶም ‘ሱሲልያና’ ኣብ ዝተባህለ ሓደ ህንጻ ዝርከቡ 237 ሓተቲ ዑቕባ ኮረና ቫይረስ ከምዝተረኽቦም’ዩ ጸብጻብት ዝጠቅስ።

መራሒ መኪና፣ ብዛዕባ’ቲ ሓደጋ ምጽራይ ክግበረሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

ካብ ሊብያ ዝተበገሱ ኣማኢት ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምድሓኖም፣ ድሕሪ ሓያሎ መዓልታትን ሰሙናትን ናብ ላምፔዱሳን ኢጣልያን ክጽግዑ ይፍቀዶም እኳ እንተሎ፣ ምስ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ዝግበረሎም ዘሎ ናይ ውሸባ መስርሕ ግና ዘይምቹእ ምዃኑ የማርሩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0