ካብ ኲናት ሱዳን ዝሃደሙ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ዛጊት ድሃዮም ከምዘይፍለጥ ተሓቢሩ

Radio Erena: 25 May 2023

ኣብ ሱዳን፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ወትሃደራት መንግስትን ፈጣን ሓይሊን ዝተወልዐ ግጭት፡ ካብ ከተማ ካርቱም ናብ ከሰላ ዝሃደሙ ብዙሓት ኤርትራውያን ድሃዮም ጠፊኡ ከም ዘሎ ኣልጀዚራ ሓቢሩ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ብረቡዕ 24 ግንቦት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን፡ ካብቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተወልዐ ግጭት ነብሶም ንምድሓን፡ ብኣውቶቡሳት ናብ ከተማ ከሰላ ኣብ ዝድምሉ ዝነበሩ ግዜ ተሰዊሮም፡ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ድሃዮም ጠፊኡ ምህላዉ ኣመልኪታ።

እቶም ኤርትራውያን፣ ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከም ዝኣተዉ’ኳ ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ገሊኦም ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ሰጊሮም ገሊኦም ድማ ግዳያት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ኮይኖም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ‘ዩ ዝግለጽ።

ንኣልጀዚራ ቃሎም ዝሃቡ ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኤርትራውያን ከም ዝሓበርዎ፡ ኤርትራውያን ብጾቶም ካብተን ዝጎዓዙለን ዝነበሩ ኣውቶቡሳት ተፈልዮም ምስ ወረዱ፡ ህጣሞም ከም ዝጠፍአ የመልክቱ።

ኣብ ካርቱም ከባቢኣን ካብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሃዲሞም፣ ናብ ከሰላ ዝተበገሱ ኤርትራውያን፣ ብመንገዲ ታላታ ዓሸር ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዎም፣ 95 ካብኣቶም ደሃዮም ከምዘይፍለጥ፣ ዘ ጋርድያን፣ ብ08 ግንቦት ምሕባሩ ይዝከር።

ኣቐዲሙ’ውን ራድዮ ኤረና፣ ካብቲ ኵናት ሃዲሞም ኣብ ከባቢ ገዳርፍ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዘካየደቶ ዝርርብ፣ ኤርትራውያን ጽዒነን ካብ ካርቱም ናብ ከሰላ ካብ ዝተበገሰ ሸውዓተ ኣቶቡሳት፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ነቶም ኣብተን ክልተ ዝነበሩ ናብ ኤርትራ ከምዘረከቦም ‘ዮም ኣመልኪቶም።

ንሳቶም ብተወሳኺ፣ ክፍሊ ኢምግሬሽን ኤርትራ፣ ክልተ ካብ ሚእቲ ንዝኸፈሉን ናይ ጣዕሳ ንዝመልኡን ወይ ድማ ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ንዝጸንሖምን፣ ኣብ ዶብ ታላታ ዓሸር ይቕበሎም ከምዘሎ ኣረጋጊጾም’ዮም።

ዛጊት ናብ ኤርትራ ካብ ዝሰገሩ ኣስታት 4 ሽሕ ኤርትራውያን፣ መብዛሕቶም ምስ ስድራቤታቶም ክራኸቡ እኳ እንተኸኣሉ፣ ብዙሓት ግና ደሃዮም ጠፊኡ ምህላዉ መቕርቦም ብዝተፈላለየ መንገድታት ከመልክቱ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ፣ ልዕሊ 126 ሽሕ ኤርትራውያን ምንባሮም ጸብጻባት እቲ ትካል ይሕብር።

================= =================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    […] ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ፣ ልዕሊ 126 ሽሕ ኤርትራውያን ምንባሮም ጸብጻባት እቲ ትካል ይሕብር። source […]