ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ 10 ኤጲስ ቆጶሳት ክትሸይም ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 25 May 2023

ኣብ መንጎ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፣ ዝተራእየ ምክፍፋል እናዓረገ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፣ ላዕለዋይ መሪሕነት ቤተ ክህነት ክልል ትግራይ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ 10 ኤጲስ ቆጶሳት ክሸይም ምዃና ኣፍሊጡ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፣ ካብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ተፈልዩ ናይ ገዛ ርእሱ ምምሕዳር ዝኣወጀ፣ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ፣ ካብ 22 ክሳብ 23 ግንቦት ንኽልተ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ’ዩ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ኤጲስ ቆጶሳት ክሸይም ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ጉባኤ፣ ህዝቢ ዝጠልቦም እዋናውያን ውሳነታት ከም ዘሕለፈ ብምጥቃስ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ወጻእ ሃገራትን ንዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ዝተማልአ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምሃብ፣ ነቶም 10 ኤጲስ ቆጶሳት ክሽይም ከምዝወሰነ ኣረዲኡ።

እቲ ጉባኤ ኣሕሊፍዎ ዘሎ ውሳኔ ምሻም ኤጲስ ቆጶሳት፣ ድሕሪ ‘ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ኣብ ፕሪቶርያ ዝኸተምዎ ስምምዕ’ውን እንተኾነ፣ ቤት ክህነት ትግራይ ምስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ንምውህሃድ ይኹን ዳግም ንምሕባር መደብ ከምዘይብሉ ዘነጽር’ዩ።

ቤተ ክህነት ትግራይ፣ ኣብ 7 ግቦት 2021 ምስ ኦርቶዶስክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክብ ከምዝበተኸ ይዝከር።

ኣብ መጀመርያ ወርሒ ናይዚ ዓመት’ውን፣ ኦርቶዶስክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክልል ኦሮምያ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ጳጳሳት ክትሸይም ድሕሪ ምጅማራ፣ ናብ ጎነጽ ኣምሪሑ፣ ኣብ ህወይትን ንብረትን ጉድኣት ከምዘብጽሐ ይዝከር።

ነዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት፣ ብናይ ብሄር ግጭታትን ኵናት ሓድሕድን ክትሕመስ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘለዋ ተኣፋፊ ፖለቲካዊ መድረኽ፣ ምክፍፋል ሃይማኖታት ተደሚርዎ፣ ናብ ዝበኣሰ ውድቀት ከይተምርሕ ዝተፈላለዩ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0