ኤርትራ፣ ዘመናዊ ባርነት ምስ ዝካየደለን ቀዳሞት ሰለስተ ሃገራት ዓለም ተረቝሓ

Radio Erena: 25 May 2023

ኤርትራ፣ ዘመናዊ ባርነት ምስ ዝካየደለን ቀዳሞት ሰለስተ ሃገራት ዓለም ተረቝሓ።

Walk Free ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኤርትራ፡ ሰሜን ኮርያን ሞውሪታንያን እተን ኣብ ዓለም፣ ዘመናዊ ዝለዓለ ዘመናዊ ባርነት ዝካየደለን ሰለስተ ሃገራት ምዃነን ሓቢሩ።

እቲ ትካል፣ ብረቡዕ 24 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻቡ፡ ኣብ ዓለም ልዕሊ 50 ሚልዮን ሰባት ኣብ ትሕቲ ዘማናዊ ባርነት ከም ዝነብሩ’ዩ ጠቒሱ።

እቲ ቁጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ጸብጻቡ ክነጻጸር እንከሎ፣ ብ 10 ሚልዮን ምዝያዱ፣ ኣዝዩ ኣሻቓሊ’ዩ ክብል ኣስሚርሉ።

እቲ ከም ግዱድ ሽቕለት፡ ግዱድ መርዓ፡ ንግዲ ወሲብ፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ ሰብን ዝኣመሰለ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ እቲ ጸብጻብ ተኻይዱ።

ቀዳመይቲ ኣብ ዝሰርዓ ሰሜን ኮርያ ድማ፣ ብገምጋም፣ ካብ 1000 ሰባት እቶም ኣስታት 104 ኣብ ዘመናዊ ባርነት ዝተታሕዙ’ዮም።

ካብ 1000 ሰባት እቶም ኣስታት 90 ካብ ህዝባ ኣብ ትሕቲ ዘመናዊ ባርነት ከምዘለዉ ዝተጠቕሰት ኤርትራ ድማ ካልኣይቲ ኮይና ትስዕባ’ላ።

ብዘይሕግን ቅዋም ወይ ስርዓተ መንግስቲን እትመሓደር ኤርትራ፣ ውልቃውን ሰብኣውን መሰላት ዜጋታታ ብምጥሓስ’ያ ትኽሰስ።

እታ ሃገር ብዝያዳ እትልለየሉ ድማ፣ ዜጋታታ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ብሓውሲ ባርነት ብምሓዝ፣ ብኵናት ምስ ጎረባብትታ፣ ብጃምላዊ ማእሰርቲ ዜጋታታ፣ ዝተኣስሩ ዜጋታታ ሃለዋቶም ብምጥፋእ፣ ብዋሕዚ ስደትን ድኽነትን’ዩ።

ኣምነትስ ኢንተርናሽናል፣ ሁማን ራይትስ ዎች፣ ኦፐን ዶርስ፣ ረሊዝ ኢንተርናሽናልን ካልኦት ኣጅህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት በብወገኖም ዓመታዊ ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጽባት፣ ንኤርትራ በዚ ጉዳያት እዚ ከምዝወቕሱዋ ይፍለጥ።

Walk Free ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኤርትራ ዘበናዊ ጊላነት ካብ ዝረኣየለን ቀዳሞት ሃገራት ኢሉ ዝረቝሓ፣ መበል 32 ዓመት ናጽነታ ኣብ ዝጸንበለትሉ ዕለት’ዩ።

================= =================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    […] እቲ ቁጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ጸብጻቡ ክነጻጸር እንከሎ፣ ብ 10 ሚልዮን ምዝያዱ፣ ኣዝዩ ኣሻቓሊ’ዩ ክብል ኣስሚርሉ። readmore […]