ካምፓላ፣ ብጉልባብ ኮረና ቫይረስ ማስክ ዝተሸፈኑ ኣርባዕተ ሰባት፣ 300 ሚልዮን ሰሪቖም

Radio Erena: 27 May 2020

ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ካምፓላ፣ ከም ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም፣ ንኣንፍንጫ ኣፍን ብማስክ ምሽፋን ዝውቱር ተርእዮ’ዩ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብታ ከተማ፣ ምስ ኮረና ቫይረስን ማስክን ተተሓሒ ገበን ከምዝተፈጸም ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ዛጊት መንነቶም ዘይተፈልጡ፣ ማስክ ዝተሸፈኑ ኣርባዕተ ሰባት፣ ንሰለስተ ሰራሕተኛታት ትካል ሸርፍን ሓዋላን ተኸታቲሎም፣ ኣስታት 300 ሚልዮን ባጤራ እታ ሃገር ወይ ድማ ኣስታት 80 ሽሕ ዶላር ዘሪፎሞም።

እቶም ኣካያዲ ስራሕ ምክትሉን ተሓዚ ገንዘብን ዝኾኑ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ኣማል ናይ ዝተባህለ ትካል ሸርፊን ሓዋልን፣ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ወጺኦም ካን ናብን ባንክታት ተመላሊሶም ኣስታት 300 ሚልዮን ሺሊግን ዝግመት ጥረ ገንዘብ ብሳንጣ ሒዞም ናብ መኪና እናኣተዉ፣ ክከታተልዎም ዝጸንሑ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝዘመትዎም፣ ካብ ቃሎም ንዝተኣከበ ሓበሬታ ብምጥቃስ ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ከተማ ካምፓላ ሉክ ኦዋይሰጂር ሓቢሩ።

እቶም ሰባት ማስክ ዝተሸፈኑ እኳ እንተኾኑ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ናይ ጸጥታ ካሜራታት ብምውካስ ንምሓዞም ጻዕርታት ተጀሚሩ ከምዘሎ ኣፈና ፖሊስ ፍረድ ኢናንጋ ብወገኑ ኣረጋጊጹ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0