ከባቢ ክሊ ማይ ዓሰብ፣ ክልተ ጀላቡ ናብ ናይ ንግዲ መርከብ ተጸጊዐን መጠንቀቕታ ከምዝሃባ ተሓቢሩ

Radio Erena: Tuesday 16, January 2024

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ መራኽብ ገኒንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ክልተ ጀላቡ ናብ ሓንቲ ዓባይ ናይ ንግዲ መርከብ ተጸጊዐን መጠንቀቕታ ከምዝሃብኣ፣ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ስርሒታት ባሕርያ ንግዲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ውሕስነትን ጸጥታን መራኽብ ብምትኳር ሓበሬታ ዝዝርግሕ ትካል፣ እተን ጀላቡ ብሰንበት 14 ጥሪ፣ 43 ኪሎሜተር፣ ንሰሜናዊ ምዕራብ ካብ ከባቢ ዓሰብ ኣብ ዘሎ ክሊ ማይ፣ ንትጓዓዝ ዝንበረ መርከብ ቀሪበን፣ መኣዝና ክትቅይር ሓበሬታ ከምዝሃባኣዩ ጠቒሱ።

እንተኾነ፣ እተን ጀላቡ፣ ናይ ኣየነት ሃገር ምዃነን ኣይተነጸረን።

02 ጥሪውን፣ ናብ ወደብ ዓሰብ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ብውሕዱ ሰለስተ ነትጕ ከምዝተራእየ፣ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ምሕባሩ ኣይርሳዕን።

ዕጡቓት ሑቲ፣ ምስ እስራኤል ምትእስሳር ኣለወን ንዝበልወን ናይ ንግዲ መራኽብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብተደጋጋሚ የጥቅዑ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲዚ፣ ኣብ ክሊ ማይ ሶማልን መጻብቦ ኤል መንደብን፣ ቀርሰና መራኽብ እናሳዕረረ ይመጽእ ምህላዉዩ ዝሕበር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0