እስራኤል: ክልተ ኤርትራውያን ተቐቲሎም

Radio Erena: Monday, 22 January 2024

ኣብ እስራኤል ‘ሪሾን ለጽዮን’ ኣብ ዝተባህለት ኢንዱስትርያዊት ከተማ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብዝተላዕለ ግጭት ክልተ ኤርትራውያን ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን::

ኣፈኛ ፖሊስ እታ 8 ኪሎሜተር ካብ ከተማ ቴልኣቪቭ ንደቡብ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ‘ሪሾን ለጽዮን’ ከምዝሓበሮ: ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብዝተላዕለ ግጭት ሓደ ወዲ 35 ዓመትን ካልኣዮን ብከቢድ ከምዝቖሰሉ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዶም ድማ ከምዝሞቱ ይገልጽ::

እቲ ብቐዳም ለይቲ ዝተኻየደ ግጭት ኣብ ኣፍደገ ለይታዊ ትልሂት ከምዝነበረ: እቶም ዝተጋጨዉ መንእሰያት ኣልኮላዊ መስተ ሰትዮም ከምዝንነበሩን ፖሊስ ገበነኛታት ንምርካብ መርመራ ጀሚሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ::

ድሕር’ቲ ኣብ ‘ሪሾን ለጽዮን’ ዝተኻየደ ግጭት ኣብ ማእከል ከተማ ቴልኣቪቭ’ውን ካልእ ናይ ኤርትራውያን ግጭት ከምዝነበረ ክልተ ኤርትራውያን ከቢድን ፈኩስን መቑሰልቲ ወሪድዎም ሕክምናዊ ክንክን ከምዝተገብረሎም ጸብጻብ ፖሊስ ብተወሳኺ የረድእ::

ኣብ እስራኤል ካብ 2007 ክሳብ 2012 ዝመጹ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ 30 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ ሃገረ እስራኤል ከም ስደተኛታት ስለዘይትርእዮም ብቪዛ እያ ተንብሮም::

ኣብ እስራኤል ብሰንኪ ናይ ፖለቲካ ኣረኣእያ ፍልልይ ተደጋጋሚ ግጭት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ክካየድ ጸኒሑ::

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0