እስራኤል ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ግጭት ቀጺሉ: ሕጂ’ውን ሓደ ሰብ ተቐቲሉ

Radio Erena: Monday, 02 October 2023

ብቀዳም 30 መስከረም ኣብ እስራኤል ከተማ ነታንያ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ኤርትራውያን ዳግማይ ግጭት ተኻይዱ።

ኣብቲ ግጭት ሓደ ሰብ ብካራ ተወጊኡ ክቕተል እንከሎ ሸሞንተ ካልኦት ከቢድን ቀሊልን መጉዳእቲ ወሪድዎም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተወስደ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ከምዘመልክቶ፡ እቶም ኤርትራውያን ብወንበርን ኣእማንን ክደራበዩን ክበኣሱን ከምዘርኢ: እቲ ባእሲ ፖሊስ ጥይት ንላዕሊ ብምትኳስ ኣብ መንጎ ኣትዮም ከምዘቋረጽዎ የመልክት።

ኣብቲ ግጭት ዝተቐትለ ኤርትራዊ መጀመርታ ተቓዋሚ መንግስቲ ምኳኑ’ኳ እንተተገልጸ ድሒሩ ብዝተገብረ መርመራ ግን ደጋፊ መንግስቲ ከምዝኾነ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወይዘሮ ኤልሳቤጥ ጭሩም ሓቢራ።

ኤልሳቤጥ ጭሩም ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዝሓበረቶ እቲ ኣብ ክሊ ናይ 30 ዕድመ ከምዝነበረ ዝተሓበረ ሰብ ኣቦ ኣርባዕተ ቖልዑት ምኳኑ ገሊጻ።

ብዓርቢ 29 ጥሪ’ውን ኣብ ደቡብ ከተማ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝተኻየደ ካልእ ግጭት፡ ክልተ ሰባት ብከቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ከምዘለዉ ‘ታይምስ ኦፍ እስራኤል’ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ምድረበዳ ሰሃራን ሲናን ሰጊሮም ብክንደይ መከራ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ እዮም: መንግስቲ እስራኤል ድማ ከምዝስተኛታት ዘይኮነ ናይ ቁጠባ ጸገም ዘለዎም ‘ወረርቲ’ ክብል እዩ ዝገልጾም።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0