እስራኤል፣ ጓል 16 ዓመት ቆልዓ ብ30 መንእሰያት ተዓሚጻ

Radio Erena: 24 August 2020

ኣብ እስራኤል፣ ሓንቲ ጓል 16 ዓመት ቆልዓ ብ30 መንእሰያት ከምዝተዓመጸት ማዕከናት ዜና ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣቃሊሐን።

እቲ ኣብ ከተማ ኤላት ዘጋጠመ ዓመጽ፣ “ገበን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ቆልዓ ጥራይ ዘይኮነ፣ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት’ዩ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ቁጠዐኡ ገሊጹ።

እታ ቆልዓ ምስ መዛንኡ ኣልኮላዊ መስተ ክትሰቲ ድሕሪ ምምሳያ፣ ሃለዋታ ኣጥፊኣ፣ ነብሳ ኣብ ሓደ ሽንቲ ቤት ክትጥቀም ዝኣተወቶ ሆቴል ተደርብያ ከምዝረኸበታ’ዩ ተሓቢሩ።

መሓዝኣ ካብቲ ናይ ዓመጽ ሓደጋ ንምድሓን ዝገበረቶ ጻዕሪ ከምዘይሰመረላ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።

10ታት ደቂተባዕትዮ ክዕምጽዋ ከምዝሓደሩ ክሲ ቀሪቡ እኳ እንተሎ፣ ዛጊት ክልተ ጥርጡራት ጥራይ’ዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝርከቡ።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ናይ ዓመጽ ገበን ዝተዋፈሩ፣ ብሞባይላቶም ቪድዮ ይቀድሑ ምንባሮም ጸብጻብ ፖሊስ ኣመልኪቱ።

ኩሎም ቶም ብገበን ዝተጠርጠሩ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ጸዊዑ።

መንነቶ እቶም በቲ ገበን ዝተጠርጠሩ ዛጊት ኣይተቓልዐን።

እቲ ፍጻሜ ኣብ መላእ እስራኤል ነውጺ ድሕሪ ምፍጣሩ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ዝርከቦም ሰበ ስልጣንን ህቡባት ሰባትን፣ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸም ገበናትን ብፍላይ ድማ ዓመጽ ዝኹንን መልእኽትታት ብመንገዲ ማሕባራዊ ሜድያ ኣመሓላሊፎም።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0