እስራኤል፣ ካብ 2019 ኣትሒዛ ዳግም ክርትእዮ ኣብ ዝጀመረት ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ፣ ን98.5% ኤርትራውያን ነጺጋ

Radio Erena: 19 January 2022

እስራኤል፣ ካብ 2019 ኣትሒዛ ዳግም ክትርእዮ ካብ ዝጀመረት ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ፣ ን98.5% ኤርትራውያን ከምዝነጸገት መርበብ ሓበሬታ ሃረጽ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ መርበብ፣ መንግስቲ እስራኤል ናይ 2400 ሓተቲ ዑቕባ ደጊሙ ክምርምሮ እንከሎ፣ ናይቶም 1063 ውሳኔ ሂብሉ።

ይኹን’ምበር ብዘይካ ነቶም 16 ናይቶም ካልኦት ብምሉኡ’ዩ ነጺግዎ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣማኻሪት ኮሚተ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ከይመርመረቶ፣ ኤርትራውያን ንዘቕረብዎ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ብእኩብ ከምዝነጸጎ’ዩ ሃረጽ ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ እስራኤል፣ ንዓመታት ዝተቐመጡ፣ ኣስታት 13 ሽሕ ኤርትራውያን፣ ዘቕረብዎ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ፣ ዳግመ ምጽራይ ክግበረሉ ብዘቕረብዎ ጠለብ መሰረት፣ መንግስቲ እስራኤል ካብ 2019 ኣትሒዙ ንጉዳዮም ዳግም ክምርምሮ ጀሚሩ።

እንተኾነ እቲ መንግስቲ፣ ኣብዚ ሰለስተ ዓመታት፣ ናይ ኣስታት 2500 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ጥራይ’ዩ ክርኢ ክኢሉ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ኤርትራውያን፣ ናይቶም ኣስታት 80% ቅቡል ክኸውን እንከሎ፣ ብኣንጻሩ መንግስቲ እስራኤል ናይቶም ልዕሊ 98% ይነጽጎ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ10ታት ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኽተሎ ፖሊሲ፣ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ይንቀፍ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0