እስራኤል፣ ኣብ ሳህሮኒም ዝጸንሑ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ 207 ስደተኛታት ትፈትሕ

እስራኤል፣ ኣብ ሳህሮኒም ዝጸንሑ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ 207 ስደተኛታት ትፈትሕ

Radio Erena: 16 April 2018

Sahronim

ኣብ እስራኤል፣ ኣብ ቤት ማእስርቲ ሳህሮኒም ዝጸንሑ 207 ስደተኛታት ከምዝተፈትሑ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ትማሊ ሰንበት 15 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቶም መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ናብ ኡጋንዳ ወይ ርዋንዳ ንምጥራዝ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኮይኖም፣ እቲ መስርሕ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተቐባልነት ብዘይምርካቡ’ዮም ዝፍትሑ ዘለዉ።

ኡጋንዳ ኣቐዲማ ብዓርቢ 13 ሚያዝያ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ መንግስቲ እስራኤል ዘቕረብዎ ፖለቲካዊ ሕቶ ንዝነጸጎም ኣስታት 500 ስደተኛታት ክቕበል ምዃኑ ሓቢሩ’ዩ።

እንተኾነ፣ ብወገን እስራኤል ኣብ ዝቀርብ ዘሎ ሓድሽ ጸብጻብ፣ እቲ መስርሕ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስለዝተነጽገ፣ እቲ ውሳኔ ተግባራዊ ከምዘይከውን ይእምት።

እስራኤል፣ ኣቐዲማ’ውን ን10ታት ኤርትራውያን ካብ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ከምዘፋነወቶም ዝዝከር’ዩ።

ሓያሎ ካብቶም ኤርትራውያን፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ኣይንኸይድን ብምባሎም ካብ ኾሎት ናብ ሳህሮኒም ዝተሰጋገሩ ኮይኖም፣ ካልኦት ከኣ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓዶም ዘየሐደሱ፣ ብፖሊስ እስራኤል ተገፊፎም ዝተኣስሩ’ዮም።

መንግስቲ እስራኤል ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኖም ዝጸንሑ ኤርትራውን፣ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ኣትዮም ክሰርሑን ክነብሩን ዝኽልክል ሓድሽ ውሳኔ ብምሃብ’ያ ካብ ሳህሮኒም ተፋንዎም ዘላ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ሃገሩ ብዝዕባ ዝርከቡ ስደተኛታት ብምዝልከት ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝኣተዎ ውዕል ሓደ መዓልቲ ከየቁጸረ ከምዝሰረዞ ይዝከር።

ኣብ እስራኤል፣ ኣስታት 25 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ውስጥእዊ ጉዳያት እታ ሃገር የመልክት።

ብመሰረት ካብታ ሃገር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፣ መንግስቲ እስራኤል ብምሉኦም እቶም ኣብ ሳህሮኒም ዝጸንሑ ስደተኛታታት ፈቲሕዎም ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0