እስራኤል፣ ብወግዒ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዘየቕረቡ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ክወጹ ተጠንቅቕ

እስራኤል፣ ብወግዒ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዘየቕረቡ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ክወጹ ተጠንቅቕ

Radio Erena: 29 December 2017

israelll

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ንኸተውጽኦም ትዳሎ ከምዘላ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ዝተኣዘዘን፣ ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣርየ ደሪን ሚኒስተር ህዝባዊ ድሕነት ጊላድ ኤርዳን ዝተዋህበ መምርሕን’ዩ ብዝብል ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ እቶም ኣብዚ 90 መዓልታት ካብ እስራኤል ዘይወጹ ስደተኛታት ንዘየተወሰነ እዋን ኣብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎኑ ምዃኖም’ዩ ዘጠንቅቕ።

ነቶም ስደተኛታት ኣብ 90 መዓልታት ንምስጓግ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ምድላዋቱ ወዲኡ እኳ እንተሎ፣ ሚኒስትሪታት ሃብቲ ሃገርን ህዝባዊ ድሕነትን ብጉዳይ ባጀት ክሰማምዑ ስለዘይክኣሉ፣ ካቢነ ሚኒስተራት ድምጾም ዝህብሉ ናይ ምስጓግ ዘመተ ንኻልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ ተገሊጹ።

እዚ መንግስቲ እስራኤል፣ ዝዳለወሉ ዘሎ ኣሽሓት ስደተኛታት ናይ ምስጓግ መስርሕ ወይ ናይ ማእሰርቲ ውሳኔ፣ ነቶም ኣቐዲሞም ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዘቕረቡ’ሞ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ምላሽ ዘይተዋህቡ ንግዜኡ ከምዘይምልከቶም’ዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብ እስራኤል ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 27 ሽሕ ስደተኛታት እኳ እንተለዉ፣ ካብዚኣቶም ኣስታት 6 ሽሕ ጥራይዮም ብሕጋዊ መልክዕ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዘቕረቡ።

ኣብ እስራኤል ንዝተወልዱ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣስታት 5 ሽሕ ቆልዑን ወለዶምን ከምኡ ድማ ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታትን ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ስደተኛታት እዚ ሓድሽ መጠንቀቕታ ንግዜኡ ኣይክጸልዎምን’ዩ።

እስራኤል፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ንዝኾኑ ልዕሊ 20 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ንምስጓጎም ምስዘን ሃገራት ኣብ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝተመርኮሰ ስምምዕ ተካይድ ከምዘላ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0