እስራኤል፣ ቅድሚ 31 ሓምለ 2011 ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያን ናብ ሖሎት ክዳጎኑ ዘገድድ ሓድሽ ኣዋጅ ኣውጺኣ

እስራኤል፣ ቅድሚ 31 ሓምለ 2011 ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያን ናብ ሖሎት ክዳጎኑ ዘገድድ ሓድሽ ኣዋጅ ኣውጺኣ

Radio Erena : 17 July 2015

Holot

ቅድሚ 31 ሓምለ 2011 ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን ናብቲ ብክፉት ቤት ማእሰርቲ ዝፍለጥ ሖሎት ክዳጎኑ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓድሽ ኣዋጅ ኣውጺኡ።

እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ቅድሚ 31 ታሕሳስ 2011 ናብ እስራኤል ንዝኣተዉ ሱዳናውያን’ውን ከምዝምልከት ጠቒሱ ኣሎ።

በዚ ካብ 19 ሓምለ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሓድሽ ኣዋጅ መሰረት ኣብ እስራኤል ካብ ዝርከቡ 42, 143 ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን እቶም እቶም 20,847 ናብ ሖሎት ክዳጎኑ’ዮም።

 

ኣንስትን ቆልዑን ዘለዎም ስደተኛታት፣ ናብ እስራኤል ዝኣተዉሉ ዕለት ብዘየገድስ ናብቲ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ከምዘይውሰዱ’ውን ኣዋጅ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል የመልክት።

መንግስቲ እስራኤል ኣቐዲሙ ብዘውጽኦ ኣዋጅ መሰረት ቅድሚ ሰነ 2010 ንዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ ሖሎት ዳጕኒዎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

እዚ በብእዋኑ ዝጸንዕ ዘሎ ኣዋጃት፣ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ብሰንኪ ጸቕጢ ባዕላቶም ካብ ሃገር ንኸወጹ ንምድፍፋእ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ምዃኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የረድኡ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0