ኤኮዋስ ምስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኒጀር ንምዝርራብ ወሲኑ

Radio Erena: Wednesday, 13 December 2023

መራሕቲ ምትእኽኻብ ሓባራዊ ቁጠባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፤ ኤኮዋስ ብዛዕባ እቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው እቲ ዞባ ንምዝርራብ ብሰምበት 10 ታሕሳስ ኣብ ኣቡጃ ናይጀርያ ተራኺቦም።

ኤኮዋስ ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ኒጀር ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብሰፊሑ ዘትዩሉ።

እቲ ምትእኽኻብ ኣብዚ ናይ ሰምበት ርክቡ፣ ምስቲ ንፕረዘደንት ባዙም ካብ ስልጣኑ ብምእላይ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኒጀር ንምዝርራብ ኮሚቴ ኣቒሙ።

እታ ኮሚቴ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ቶጎ፣ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሴራሊዮን ከምኡ ውን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ በኒን ዝሓቖፈት እያ።

ናብዚ ስምምዕ ዝተበጽሐ፣ ጀነራል ዓብዱራሃማነ ቲያኒ ምስ ፕረዚደንት ቶጎ ፋውረ ግናሲንግቤ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ድሕሪ እቲ ብ26 ሓምለ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ኤኮዋስ ኣብ ልዕሊ ኒጀር ቁጠባውን ፊናንሳውን እገዳ ኣንቢሩ ኔሩ።

ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤኮዋስ ዑመር ኣሊዩ ቱራይ፣ ንኽልዓል ዝሕግዙ ቅድመ ኩነታት ብምቕማጥ፣ኣብ ልዕሊ ኒጀር ዝተበጽሐ እገዳ በብቑሩብ ክለዓል ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ብጀነራል ዓብዱራሕማን ቲያኒ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ካብ ሰለስተ ዓመት ዘይሓልፍ ዕድመ ዘለዎ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ተተኺሉ፤ ህዝባዊ ምርጫ ክካየድ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ ኔሩ፣ እንተኾነ ግን ኤኮዋስ ብመንገዲ ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን እቲ ውድብ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ንዘተ ሰላምን ስምምዕን ኩሉ ግዜ ድሉው ምኻኑን እቲ ዝቐረበ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ናይ ምቛም መስርሕ ከም ዘይቅበሎ ኣፍሊጡ ኔሩ።

ኤኮዋስ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፤ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኒጀር፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ናብ ስልጣኑ እንተዘይመሊሱዎ፤ ወተሃደራዊ ምትእትታው ክገብር ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ ኔሩ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣባል ሃገራት ኤኮዋስ፤ ኣብ ከተማ ኣንካራ ተራኺቦም፤ ብዛዕባ ኣብ ኒጀር ዘካይዱዎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣብ ዝዘተዩሉ እዋን፤ እቲ ጉጅለ ናይ መወዳእታ ዝበሎ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንምርካብ ብቀዳም 19 ነሓሰ ሓደ ጉጅለ ብምልኣኽ ምስቲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከብ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙምን መራሕቲ ወተሃደራዊ ዕልዋን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ይዝከር።

ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ኣብ ዝመንዝዓሉ እዋን ለውጢ ክደሊ ዝጸንሐ ህዝቢ ኒጀር፤ ደገፉ ነቲ ዕልዋ ዘካየደ ወተሃደራዊ ሓይሊ ገሊጹ ኔሩ።

ፈረንሳ እውን ብወገና፤ ኣብ ኒጀር ዝርከብ ኤምባሲኣ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝገብሩ ዝነበሩ ሰባት ድሕሪ ምቅጻሉ፤ ድሕነት ዜጋታታ ንምሕላው ኣድላዪ ዝበለቶ ስጉምቲ ክትወስድ ድልውቲ ከምዘላ ገሊጻ ኔራ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ዝኽሰት ተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታት፣ ብኢድ ኣዙር ንዝፍጸም ሰንሰለት መግዛእቲ ብፍላይ ድማ ምትእትታው ፈረንሳ ንምብታኽ ዝዓለመ’ዩ ዝብሃል እኳ እንተኾነ፣ ነተን ድሮ ብድኽነት ክሕመሳ ዝጸንሓ ሃገራት እቲ ዞባ ግና ናብ ዝበኣሰ ምልኪ፣ ተነጽሎን ግጭታትን ከየውድቐን የስግእ።

ኣብቲ ዞባ ብተደጋጋሚ ዝኽሰቱ ወተሃደራዊ ምትእትታው ንምውጋድ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ምውጋድ ድኽነት፡ ዘይምዕሩይነትን ካልእ ስክፍታታት ህዝቢን ዝኣሊ ቅዋማዊን ጽቡቕ ምሕደራን ኣብ ምድንፋዕ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣቦ ወንበር ኤኮዋስ ዝኾነ ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ኣሕመድ ቲኑቡ ኣዘኻኺሩ።

ንሱ ብተወሳኺ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሴራሊዮንን ጊኒ ቢሳውን ዘጋጠመ ዘይርጉእነት ኣመልኪቱ፣ መራሕቲ ኣብ ምዕቃብ ዲሞክራሲ ክሰርሑን ኤኮዋስ ንወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዜሮ ተጻዋርነት ከምዘለዎ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0