ኤርትራ ካብ ዕደና ቢሻ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ግብሪ ከም ዝኣከበት ተፈሊጡ

Radio Erena: 15 February 2023

መንግስቲ ኤርትራ ካብ መዐደኒ ቢሻ ብግብርን ካልእ ብጽሒታትን ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ምግባሩ ተሓቢሩ።

ኣቦ ወንበር ናይቲ ኣብ ኤርትራ ናይ ዕደና ንጥፈታት ዘካይድ ዘሎ ቻይናዊ ትካል ዚጂን፡ጂንገ ሺን ነዚ ዝሓበረ፡ንዝተፈላለዩ ናይ ዕደና ዕድላት ኣብ ኣፍሪቃ የዋዳድረሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ግብርን ካልእ ብጽሒታትን 300 ሚልዮን ዶላር ምርካቡ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ኣብ 2019 ስርሑ ዝጀመረ ትካል ዕደና ቢሻ ካብ ዝኾነ ፕሮጀክት ‘ቢሻ ዝንክ ኮፐር’፡ ልዕሊ 32 ሚልዮን ቶን ዚንክ ንዓመት ብምፍራይ ሓደ ካብ ዝዓበዩ መዐደኒታት ኣብ ኣፍሪቃ ይኸውን ከም ዘሎ ገሊጹ። እቲ ቻይናዊ፡ደቡብ ኣፍሪቃ ካብኡ ተማሂራ ናይ ዕደና ዕድላታ ንትካላት ቻይና ክፉት ክትገብር’ውን ተማሕጺኑ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ዕደና ሽርክነታት ከም ዝጸምድ’ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ፡ ዜጋታት ብዛዕባ ንጥፈታትን ኣታዊታትን ናይዚ ጽላት ከይፈልጡ ተሓሪሞም፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ባርነት ዝወዳደር ደረጃ ክሰርሑ ከም ዝግደዱን፡ካብ ጸጋ ሃገር ዝተረኽበ ኣታዊታት ኣብ ጁባ ገዛኢ ውድብ ህግደፍን ሓለፍቱን ከም ዝኣቱ ህዝቢ ብዓውታ ክዛረበሉ ጸኒሑ’ዩ።

ኤርትራን ምስኣ ሓቢረን ኣብ ጽላት ዕደና ዝነጥፋ ትካላትን፡ ብሰንኪ ኣብ መዐደኒ ቦታታት ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰራሕተኛታትን፡ ብስም ኣገልግሎት ዝግበር ምዝመዛ ሰራሕተኛታትን፡ዝተፈላለየ ክስታት ክቐርበሎም ጸኒሑ እዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0