ኤርትራ እትርከበን 11 ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ሰሜን ኮርያ ወትሃደራዊ ርክባት ከይህልወን መርመራ ክካየደለን’ዩ

ኤርትራ እትርከበን 11 ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ሰሜን ኮርያ ወትሃደራዊ ርክባት ከይህልወን መርመራ ክካየደለን’ዩ

Radio Erena: 20 September 2017

Isu Kimg Jong Un

ኤርትራ እትርከበን 11 ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ሰሜን ኮርያ ወትሃደራዊ ርክባት ከይህልወን ንምፍታሽ ዝዓለመ መርመራ ክካየደለን ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ንሕቡራት ሃገራት ዝወከሉ ሸሞንተ ክኢላታት ኣብ 9 መስከረም ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፣ እተን 11 ሃገራት ኣፍሪቃ ካብታ ብባይቶ ጸጥታ እገዳ ተነቢሩላ ዘሎ ሰሜን ኮርያ፣ ብሓገዝ ወይ ከኣ ብመሸጣ ወትሃደራዊ ንዋት ተቐቢለን እንተኾይነን ምጽራይ ክካየደለን’ዩ።

እተን ሃገራት ኤርትራ፣ ዚምባብዌ፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛንያ፣ ኣንጎላ፣ ኮንጎ፣ ማሊ፣ ሞዛምቢክ፣ ቤኒን፣ ናሚብያን ቦትስዋናን’የን።

ኣቐዲሙ ምምሕዳር ትራም፣ ኤርትራ ብመንገዲ ኣብ ማሊዥያ ዝርከብ ትካል ኣቢላ ካብ ሰሜን ኮርያ ወትሃደራዊ መራኸቢታት ሸሚታ’ያ ብምብላ፣ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር እገዳ ከምዘንበረ ኣይርሳዕን።

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ እገዳ ሶማልን ኤርትራን፣ ነቲ ኤርትራ ምስ ሰሜን ኮርያ ወትሃደራዊ ምትእስሳር ኣለዋ ዝብል ሓበሬታ ብዕምቖት የንጽንዖ ምህላዉ ብተደጋጋሚ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ንባዕለ ኣብ 2009 ከምኡ ድማ 2011፣ ክልተ እዋን እገዳ ዝተነብረላ ኤርትራ፣ ካብታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ እገዳ እትርከብ ሰሜን ኮርያ ወትሃደራዊ ንዋት ከምዝሸመተት እንተተረጋጊጹ፣ እቲ ሸሞንተ ዓመታት ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ክናዋሕ ከምዝኽእል ይግለጽ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0