ኤርትራ እትርከበን ብስደት ብኸቢድ ዝተጸልዋ ሃገራት ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ተሳቲፈን

ኤርትራ እትርከበን ብስደት ብኸቢድ ዝተጸልዋ ሃገራት ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ተሳቲፈን

Radio Erena: 28 April 2015

Egypt

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ንዋሕዚ ስደተኛታት ዝምልከት ዋዕላ ተሳቲፉ።

እቲ ስደተኛታት ብብዝሒ ዘፍርያ ዘለዋ ሃገራትን ስደተኛታት ዝሓልፉለንን ዑቕባ ዝሓቱለንን ሃገራት ብሓባር ዘራኸበ ዋዕላ፣ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ንምህዳን ክትግበር ብኢጣልያ ዝተኣወጀ ተበግሶ ኣብ ግብሪ ብዛዕባ ዝውዕለሉ ንምዝታይ’ዩ።

ኢጣልያን ሓያሎ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን፣ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ደላሎን ንምህዳን ክሳብ’ተን ስደተኛታት ዝብገሱለን ሃገራት ወትሃደራዊ ስርሒታት ክካይድ ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረቡ ይዝከር።

 

ኣብዚ ብ23 ሚያዝያ 2015 ኣብ ሻርም ‘ል ሸኽ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ወከልቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ግብጽን ካብ ኣፍሪቃ ካብ ኤውሮጳ ድማ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ኢጣልያ፣ ጀርመንን ማልታን ከምዝተሳተፉ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረጋግጽ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብቲ ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ተመሪሑ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን፣ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትማሕበር ስደተኛታትን’ውን ተረኺቦም ኔሮም።

ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ሞትን ንምግታእ ሃገራት ኤውሮጳ ከም ቀዳማይ ዒላማ ሒዞሞ ዘለዉ ኣብ ሱዳን፣ ግብጺ፣ ሊብያን ሃገራት ኤውሮጳን ዝርከብ መርበብ ደላሎን ኣሰጋግርቲ ደቂ ሰብን ምህዳን’ዩ።

===================== 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0