ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክትፈትሕ ምሕጽንታ ቀሪቡ

ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክትፈትሕ ምሕጽንታ ቀሪቡ

Radio Erena: May 7, 2014

sheila 2

መንግስቲ ኤርትራ ብዘይዝኾነ ፍርድን ሕጋዊ መስርሕን ቀይድዎም ዝርከብ ዜጋታቱ ክፈትሕ፣ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንምክትታል ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩት ተማሕጺና።

ንሳ ነዚ ምሕጽንታ ተቕርብ ዘላ፣ ኣብ ከረን ካብ 2005/2006 ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ክልተ ዶክተራት ዝርከብዎም ብውሕዱ ሸሞንተ ኤርትራውያን ዝሓለፈ ሰሙን ምፍትሖም’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ብልክዕ ቁጽሮም ዘይተሓበረ ኣሽሓት እሱራት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መብዛሕቶም ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ዘይተፈልተ ቦታ ዝተኣስሩ’ዮም።

ኤርትራ ካብ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ንላዕሊ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣስሩ ዜጋታታ ከምዝበዝሑ’ውን ኩሉ ዝፈልጦ ሓቒ’ዩ።

 

===========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0