ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢ ባድመ ዝነበረ ሰራዊት ተሳሒቡ ብሓደስቲ ተተኪኡ

Radio Erena: 29 April 2019

ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ከባቢ ባድመ ዓስኪረን ዝነበራ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ተሳሒበን።

እተን ኣሃዱታት ድሕሪ ምስሓበን፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ካብ ታዕሊም ብዝወጹ ሓደስቲ ተተኪኤን ከምዘለዋ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም

ዕላማ ምስሓሰብ እዞም ኣብ ከባቢ ባድመ ዝነበሩ ሰራዊት ብንጹር ዝተፈልጠ ነገረ እኳ እንተዘየለ፣ እቲ ሰራዊት፣ ኣብ ቅንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት፣ ተቓውሞታት ከይልዓል የስግእ’ዩ ናብ ዝብሃል ከተማታት ይዘዋወር ከምዘሎ ይውረ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብካድራቱ ኣቢሉ ኣብ ዝህቦ ዘሎ ሰሚናራት፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብ ሰላም ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ እኳ እንተመልከተ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይወጻእ ግና ወያነ ዕንቕፋት ስለዝኾነ፣ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመን ምሕንጻጽ ዶባትን ንዘይተወሰነ እዋን ተሰጋጊሩ ከምዘሎ የረድእ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዘእቱ መንገዲታት ከም ናይ ቀደሙ ብሓያሎ ኬላታት ተኦኣጽዩ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ኣርባዕቲኡ ናይ ዶብ መስመራት ድሕሪ ምዕጻው፣ ብኣጋር ንዝንቐሳቐሱ ነበርቲ እቲን ኣብ ዶብ ዝርከባ ዓድታት እንተዘይኮኑ፣ ኣእዱግ ይኹን ኣግማል ሒዞም ንዝመላለሱ ሰባት ንብረቶም ይህግር ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ምስ ምዕጻው ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብተዛማዲ ዋጋታቱ ጎዲሉ ዝነበረ ዕደጋታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበሮ ይምለስ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ የረጋግጹ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 10
  • comment-avatar
    ማይኮ 5 years ago

    ሬድዮ ኤረና፡
    ሕጂ ሕጂስ ዜናታትኩም ልክዕ ከም ናይ ኣሰና ኣብዘየሎ ክትህውትቱ ካብ ትጅምሩ ኣዋርሕ ኣቑጺርኩም።
    ንምታይ ኢኹም ርጡባት፡ እንተኸፍአ ኸፍአ ድማ ዝመስል ሓበሬታ (ዜና) ዘይትዛረቡ። ትማሊ ትማሊ ህግደፍ ኣብ ኣስመራ ንዓርቢ ስቕለት ህዝቢ ከይልዓዓል ስለዝሰግአ ሓለዋ ኣጽዒቑ ኣሎ ኢልኩም፡ ዘየለ፡ ህዝቢ ኣይሓሰቦ ዋላ ህግደፍ እዝኒ ኣይገበረሉ፡ ንሓለምቲ ግን ናይ ተስፋ ወረ ክትነዝሑ ቀኒኹም።
    ሕጂ ድማ ዘይትመጽእ መሲላትኩም ንግንቦት 24 ኢልኩም ነቶም ደናቑር ተስፋ ክኾኖም ኢልኩም ፋትሽ ዝኾነ ወረ ትነዝሑ ኣለኹም። ያኢ ካባኹምሲ ተጎሪሑለይ እዩ።

  • comment-avatar
    ተስፋይ 5 years ago

    ኤረና፣ እወ መርበብ ሓበሬታ መፍኣሚ መበገሲ ዘይብሉ ክኸውን እንከሎ መቐረት ኣይረክብን፣ በቲ ሓደ ወገን፣ መግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ከባቢ ባድመ ይስሕብ ጸጥታ ኣብ ግዜ ናጽነት ትብሉ፣ በቲ ሓደ ወገን ካኣ ወያኔ ዶቦት ንኸይሕንጸጽ ኣብ ከባቢ ባድመ ዕስኪሩ ትብሉ፣ ኣይተጋራጨወኩምን ዶ? መንግስቲ ኤርትራኸ?

  • comment-avatar

    Radio Erna, We you create fake news you guys need to cross check it. let me tell you why your news is fake news. The new trained national service are placed to the existing groups of soldiers deviation.

  • comment-avatar
    solomon 5 years ago

    ብዛዕባ ናይ ሊቢያ ዘለዉ ኣሕዋትና፡ክ ክንገረሎም ዓለም ክትፈልቶ ካብ ሃገርና ካብ ንወጽእ ክሳብ ሕጂ ንዛረብ ኣለና ህግደፍ ስርሑ ኣይገደፈን ዓለም ዉን ኣብ መንእሰያትና ዘርያትና ንስኩም ከኣ ብወገንኩም ኣትሑጉዙን እኩም ሓደራ በጃኩም መዓልታዊ ዋላ ግድርፉዎ ኣብ ሶሙን 2 ኣብ ልበያ ዘለዉ ኣዉያቶም ንዓለም ኣስምዑሎም ካባኩም ዝበልጽ ሙሁራት ወይ ደማ ሺግራትና ፉለጡልና ሓገዝ ኩኑና ሰልፊ ካባና መሬት ካብታ ዘላታ ኣይትከይደን እያ ሂወት ሰበ ገን ኣኡትርከበን እያ። እዚ ኩሉ ኣባና ውርሪዱ ዘሎ ጽባሕ ታሪኽ ኮይኑ ከሳማማዕና ኣይክእልን እዩ ሓደር ሺግራትና ኣሕልፉልና የቀንየለይ tankes

  • comment-avatar
    degen 5 years ago

    radio erana and asena are the same shit who cares what they say. they have been trying to poison the Eritrean people but they fault miserably.

  • comment-avatar

    ሓንቲ ምዓልቲ ኤርትራዊ ወደባት ክአወት እዩ. ህግደፍ ኣብ ናይ ዓለም ፍርዲ ቤት ክቀርብ ከምዝኾነ ንፈልጥ

  • comment-avatar
    ዮሃንስ 5 years ago

    መን ምስ ተረፈ። ለውጣዊ ሕጊ ኣዩ። እዚ ኣስናቲ ስርዓት ክሓልፍ እዩ። ሰብ ለኪሙ ከይከይድ ድኣ ምጥንቅቕ የድሊ።

  • comment-avatar

    Please please yeaklekum seb aytrebeshu let these people live in peace, if you are man enough go there and fight

  • comment-avatar
    Samsom 5 years ago

    Weather the day is long or short, the current government of Eritrea and the people in his circle will throw away.. Thus, Eritreans, we should do miracles to safe our beloved country. Once if we do that it will be a great respect for the fallen heroes. Hence all of that will unit more than any time.