ቱርኪን ቀጠርን ሓባራዊ ልምምድ ነፈርቲ ኵናት ኣካይደን

Radio Erena: 30 April 2019

ቱርኪን ቀጠርን ሓባራዊ ልምምድ ነፈርቲ ኵናት ከምዘካየዳ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ሓቢሩ።

ኣብቲ ሓይልታት ኣየር ቀጠርን ቱርኪን ዘካየድዎ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ’ውን ተሳቲፉ።

ኣብ ቀጠር ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ቱርኪ፣ ብምወላ ቀጠር፣ ኣብ ሶማልን ሱዳንን መዓስከራት ትኸፍት ከምዘላ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ኣብ 27 ሚያዝያ፣ ኣብ ኣዶሓ ዝተኻየደ ሓባራዊ ልምምድ ነፈርቲ ኵናት ቱርኪን ቀጠርን፣ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ግብጺ ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ኣቐዲመን ዘካየድኦ ልምምዳት ምዃኑ ወትሃደራውያን ተንተንቲ የረድኡ።

ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ፣ ኣብ መንጎ ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓዊስካ፣ ንሓያሎ ሃገራት ናብ ናይ ወገነይ ወገንካ ፖለቲካ ደፊእዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0