ቱርኪ፣ ኣብ ሱዳን፣ ወደብ ስዋኪን ዝጀመረቶ መፕሮጀክታት ከምዘይተቋረጸ ገሊጻ

Radio Erena: 29 April 2019

ቱርኪ፣ ኣብ እዋን ስርዓት ኣል በሽር፣ ኣብ ሱዳን፣ ወደብ ስዋኪን ዝጀመረቶ ፕሮጀክታት ከምዘይተቋረጸ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ተፍልጥ ዘላ፣ ንበሺር ብዕልዋ ዝኣለየ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ኣብ ወደብ ስዋኪን ዝርከብ ፕሮጀክታት ቱርኪ ከምዝቛረጾ ብማሕበራዊ ሜድያታት ድሕሪ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ’ዩ።

ማዕከናት ዜና ቱርኪ ንመግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሃገርን ብምጥቓስ ኣብ ዝዘርግሕኦ ሓበሬታ ብግዴአን፣ ኣብታ ኣብ እዋን መግዛእቲ ቱርኪ ኣገዳሲት ወደብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረት ስዋኪን ዝጀመረ ናይ ምህዳስን ፕሮጀክታት ከምዝቕጽል ኣፍሊጠን።

ስርዓት በሽር፣ ምስ ቱርኪ ብዝኸተሞ ስምምዕ፣ ኣብ ወደብ ስዋኪን፣ ብምወላ ቀጠር ኣብ ሲቪላውን ምህናጽ መደብ ሓይሊ ባሕሪን ዘተኮረ ናይ ቢልዮናት ዶላር ፕሮጀክታት ካብ ዝሓልፈ ዓመት ክትግበር ምጅማሩ ይዝከር።

እንተኾነ ድሕሪ ምውዳቕ እቲ ስርዓት፣ ስልጣን ሒዙ ዝርከብ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ፣ ካብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ድሕሪ ዝተበርከተሉ ናይ 3 ቢልዮን ሓገዝ፣ ሱዳን ምስ ቀጠርን ቱርኪን ዝነበራ ዝምድና ከዛሕትል ከምዝኽእል ትንታነታት ይወሃበሉ ኣሎ።

እቲ ወትሃደራዊ ባይቶ፣ ኣብ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ስዑዲ ዓረብ ሕቡራት ኢማራትን ኣብ የመን ተሰልፊፉ ዝረብብ ሰራዊት ሱዳን ከምዘይስሕብ ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0