ኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰራዊታ ብዝቐልጠፈ ክትስሕብ ኣመሪካ ጸዊዓ

Radio Erena: 28 January 2021

state depኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ዘሎ ሰራዊታ ብዝቐልጠፈ ክትስሕብ፣ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጸዊዑ።

እቲ ክፍሊ ናብ ኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝልኣኾ ናይ ኢመይል መልሲ፣ ኣብ ትግራይ ዝምታ፣ ዓምጸ ደቂንስትዮ፣ ጭውያ ስደተኛታትን ካልእን ዝመሰለ ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ከምዝተፈጸመ ዘእምን መርትዖታት ምህላዉ ጠቒሱ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ፣ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማይክ ፖምፐዮ፣ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝተወንጨፈ ሚሳይላት ብምዅናን፣ ኤርትራ ናብቲ ኵናት ከምዘይተጸንበረት ዝእንፍት ሓበሬታ’ዩ ዘርጊሑ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ኵናት ትግራይ ኣብ 4 ሕዳር ኣብ ዝተወልዓሉ፣ ሓያሎፍላተ ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ደቡባዊን ደቡባዊ ምዕራብን ሸነኽ ኤርትራ ተበጊሰን ኣብ ሓያሎ ከተማታት መጥቃዕቲ ከምዝፈነዋ ክረጋግጽ ክኢሉ’ዩ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ከምዘሎ’ውን ክረጋገጽ እንከሎ፣ እቲ ሰራዊት ክወጽእ ህዝቢ ትግራይ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይሓትት ኣሎ።

ብዛዓባ’ቲ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ዝተፈላለየ ስምዒታት ፈጢሩ ዘሎ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ትግራይ፣ ወግዓዊ መግለጺ ዘይሃበሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ዚ ናይ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጻውዒት’ውን ስቕታ’ዩ መሪጹ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0