‘ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕታት፣ ንጸጥታ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝዘርግ’ዩ።’ የመን

Radio Erena: Tuesday, 04 July 2023

ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ እትገብሮ ዘላ መጥቃዕታት፣ ንጸጥታን ርግኣትን ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝዘርግ ምዃኑ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን ኣጠንቂቑ።

እቲ ሚኒስትሪ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዘውጽኦ ተኸታተሊ መግለጺታት፣ ኤርትራ ካብ 2015 ንደሓር ኣትሒዛ፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕታት እናዛየደ ምምጽኡ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ፣ ብጠቕላላ ልዕሊ 7 ሽሕ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተታሕዙ ብምጥቃስ፣ እቶም ልዕሊ 1600 ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተቐየዱ ምዃኖም ኣመልኪቱ።

ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ንስድራቤታቶም ንድኽነትን ሕሱም መነባብሮም የቃልዖም ምህላዉ፣ ንጸጥታን ርግኣትን ዞባ ቀይሕ ባሕሪ’ውን ዝዘርግ ምዃኑ’ዩ እቲ መግለጺ ዘጠንቅቕ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ሓያሎ ካብቶም በብእዋኑ ዝተታሕዙ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ንነዊሕ እዋን ከምዝእሰሩን፣ ጀላብኦምን ናውቶምን ከምዝህገርን ከሲሱ።

ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን፣ ብ15 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ሓተታ፣ ሓይልታት ኤርትራ፣ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሰነ፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ ሓደ ክቖስል እንከሎ፣ ሽዱሽተ ድማ ተታሒዞም ናብ ኤርትራ ከምዝተወስዱ ምግላጹ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ቀይድዎም ዝጸንሐ 166 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብ31 ግንቦት ናብ ዓዶም ከምዘፋነዎም ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ምጥቃሶም’ውን ኣይርሳዕን።
ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ዓሳ እናገፈፉ ናይ ዝሓዞም ጠቕላላ ብዝሒ የመናውያን 267 ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ሰበ ስልጣን፣ እቶም 101 ገና ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣብ ቀይዲ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።

ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ፣ ደረቱ ዝሓለፎ ዝበሎ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ደው ክብል እንተዘይክኢሉ፣ የመን ዜጋታታ ናይ ምክልካል ስጉምቲ ክትወስድ ምዃኑ’ዩ ኣጠንቂቑ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን፣ ብጉዳይ ዋንነት ደሴታት ዝቑር ሓንሽ ካብ 1995 ኣትሒዙ ዝተፈጥረ ረጺሚ፣ ኣብ 1999 ብኣህጉራዊ ዳንነት ዝበዝሐ እቲ ዘሰሓሓባ ክፋል ንየመን ተዋሂቡ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳን ክገፍሉ ዝኽእሉ ክሊ ማይን ዛጊት ንክልትኤን ሃገራት ዘየሰማምዕ ነጥብታት ከምዘሎ ይጥቀስ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0