ኤርትራ፣ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ካብ ዘይስሕባ ሃገራት ቀዳመይ’ቲ ምዃና ባንክ ዓለም ገሊጹ

Radio Erena: 20 September 2016

Doing Bs

ኤርትራ፣ ኣብ2016 ናይ ወጻኢ ወፍሪ ካብ ዘይስሕባ ሃገራት ተባሂላ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ።

ባንክ ዓለም ኣብ ናይ 2016 ዝርዝራዊ ጸብጻቡ፣ ንንግዲ ዝምችኣ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ዝብል ደረጃታት፣ ንኤርትራ ካብ 186 ኣብ መወዳእታ’ዩ ሰሪዑዋ።

ሓያሎ ኣብ ንግድን ወፍርን ዘተኩራ መርበባት ሓበሬታ’ውን፣ ገሊኤን ብዛዕባ ኤርትራ እኹል ሃበሬታ ስለዘየለ ብምብላ ካብ ደረጃታተን ከውጽኣእ እንከለዋ፣ ዝበዝሓ ግና ነቲ ናይ ባንክ ዓለም ከም መወከሲ ብምውሳድ፣ ኤርትራ ንናይ ወጽኢ ወፍሪ ዘይትምችእ ሃገር ክብላ ኣብ ቅድሚ የቐምጥኣ።

 

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ሳላ ተፍጥሮኣዊ ጸጋታት ኣስታት 20 ዝኾና ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ናይ ዕደና ወፍሪ ንምክያድ ክኣትዋ እንከለዋ፣ ብዓቕሚ ምምሕዳር እቲ መንግስትን ዘለዎ ናይ ወፍሪ ፖሊስቲታትን ተተባቢዐን ኣብ ካልእ ጽልዋት ወፍሪ ንምክያድ ዝኣተወ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ግና ዳርጋ የለዋን።

ነተን ዝርካበን ናይ ቀደም ናይ ኢጣልያ ትካላት ዳግም ንምብርባር ዝሓተቱ ወጻእተኛታት ኣቅፈርቲ’ውን፣ መብዛሕቶም ብሰንኪ’ቲ መንግስቲ ዘለዎ ናይ ንግድን ወወፍርን ፖሊሲታት ፣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዕዳጋ ንምርካብ ዘተባብዕ ውጽኢት ክረኽብሉ ብዘይምኽኣሎም ወፍራታቶም እናቋረጹ ከምዝወጹ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0