ኤርትራ፣ ብብሪጣንያ ዝተመወለ ስልጠና ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ተዋሂቡ

ኤርትራ፣ ብብሪጣንያ ዝተመወለ ስልጠና ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ተዋሂቡ

Radio Erena: 10 July 2018

UNHCR Eritreaኣብ ኤርትራ፣ ብብሪጣንያ ዝተመወለ ስልጠና ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ከምዝተዋህበ ዞባዊ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ምቁጽጻር ገበን ኣፍሊጡ።

ወኪል ሕቡራት ሃገራት ምቁጽጻር ገበን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብቲ ብብሪጣንያ ተመዊሉ ብሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽትን ዝተኻየደ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ስልጠና፣ 30 ኣባላት ጸጥታን ሓይሊ ፖሊስን ኤርትራ ተሳቲፎሞ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝተኻየደ ዝተጠቕሰ ስልጠና፣ ሳዕቤንን ዘይሕጋዊ ስደት፣ ምልክታቱ፣ ምልላዩን ምቁጽጻሩን ኣብ ዝብሉ መሰረታውን ኣርእስታት ዘተኮረ’ዩ።

እቲ ስልጠና ኣብ ዝተዛዘመሉ ዕለት፣ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ኢያን ሪቻድስ፣ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ፣ ነልሰን ጆርጅን ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮለነል መሓሪ ጸጋይን ወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽትን ተረኺቦም።

ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን ዜጋታተን ናብ ስደት ብብዝሒ ዝውሕዙ ዘለዉ ሃገራት ብምዃና፣ ብሪጣንያ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ነዚ ዋሕዚ ዚ ንምግታእ ምስ መንግስቲ ዝተፈላለየ መደባት ሓንጺጾም ይሰርሑ ከምዘለው ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0