ኤርትራ፣ ብሓገዝ UNICEF 300 ሽሕ ቆልዑ ኣገዳሲ ክታበት ክረኽቡ’ዮም

Radio Erena: 11 May 2021

ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ- UNICEF ብዝለገሶ ሓገዝ፣ ኣስታት 310 ሽሕ ኤርትራያን ቆልዑ መሰረታዊ ክታበት ክረኽቡ ምዃኖም እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ዩኒሴፍ፣ ነቲ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ዶዝ ዝብዝሑ ወይ ድማ ኣስታት 7300 ኪሎ ዝምዘን፣ ‘ህይወት ዘድሕን’ ዝበሎ ኣገዳሲ ክታበታት፣ ብ29 ሚያዝያ፣ ብፍልይቲ ነፋሪት ናብ ኣስመራ ከምዘእተዎ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ወርሓት ሚያዝያን ታሕሳስን፣ ክልተ እዋን ተመሳሳሊ ክታበታት ናብ ኤርትራ ብምእታው፣ ህይወት ቆልዑ ኣብ ምድሓን ልዑል ኣበርክቶ ይግበር ከምዘሎ ጠቒሱ።

UNICEF፣ ካብ 2014 ኣትሒዙ፣ ጸረ ንፍዮ፣ ጸረ ፖልዮ፣ ጸረ ዓባይ ሰዓል፣ ጸረ ወይቦ፣ ጸረ ትኽትኽታ ካልእን ንቖልዑ ካብ ሞትን ስንክልናን ዘድሕን ክታበታት ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ፣ ፍሉይ መደብ ሰሪዑ ክንቐሳቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ንዝተጠቕዑ ኣስታት 27 ሽሕ ኤርትራውያን ቆልዑ ናይ መግብን ቫይታሚንን ሓገዝ ብምግባር ከምዝተኸናኸኖም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ UNICEF ኣብ ዓመተ 2020፣ ንልዕሊ 109 ሽሕ ቆልዑ ቫይታሚን ኤ ክህብ እንከሎ፣ ብሕማም ውጽኣት ንዝተጠቕዑ ኣስታት 50 ሽሕ ቆልዑ’ውን ሕክምናዊ ረድኤት ከምዝገበረ ይጠቅስ።

ስእሊ፦  UNICEF

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0