“ኤርትራ፣ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፣ ውሽጣዊ ለውጥታት ክህሉ ይግባእ” ኣባላት ፓርላማ ጀርመን

“ኤርትራ፣ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፣ ውሽጣዊ ለውጥታት ክህሉ ይግባእ” ኣባላት ፓርላማ ጀርመን

Radio Erena: 21 January 2019

መንግስቲ ኤርትራ፣ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነል ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ሃገሩ’ውን ክልውጥን ከመሓይሽን ከምዝግባእ ኣባላት ፓርላማ ጀርመን ገሊጾም።

ፓርላማ ጀርመን፣ ቡንዱስታግ፣ ብ17 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ንስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዎ ደገፍ ድሕሪ ምግላጽ’ዩ፣ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ግና ዝተቐየረ ነገር ከምዘየለ ዘዘኻኸረ።

ኣብቲ ወከልቲ ሓያሎ ሰልፍታት ዝኾኑ ኣባላት ጀርመን ዝተፈላለየ ርእይቶታት ዝሃብሉ ኣኼባ ቡንዱስታግ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ለውጢ ክገብር መንግስቲ ጀርመን ዝጽበዮ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ጀርመን፣ ምስ ምግታእ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተተሓሒዙ ንመንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ንምምብርካት መደብ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ መሰረታዊ መሰላትን ግና ዕንቕፋት ከምዝኾነ’ዩ ዝዝረብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0