ኤርትራ፣ ህዝቢ ንመጸምበሊ 24 ግንቦት ገንዘብ ከዋጽእ ይግደድ

Radio Erena: 05 May 2019

ኣብ ከተማ ኣስመራ ን24 ግንቦት መጸምበሊን ምሕዳስ ጽርጊያታትን ብዝብል ምኽንያት ወግዓዊ ዘይኮነ ምእካብ ገንዘብ ከምዝተጀመረ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ቲራቮሎ፣ ቤት መኻእን ኣባሻውልን ዝርከባ ኣባላት ህግደፍ፣ ገዛ ገዛ እንዳኣተዋ፣ ህዝቢ ክሳብ 150 ናቕፋ ከዋጽእ የስገድዳ ከምዘለዋ ምንጭታትና የመልክቱ።

እተን ተዋፊረን ዘለዋ ደቀንስትዮ ኣባላት ህግደፍ ብዘይቅብሊትን ወግዓዊ ሰነድን ገንዘብ ይእክባ ብምህላወን ተሓታትነት ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብወለንታ ዘይኮነ ምፍርራህ ዝተሓወሶ ብምዃኑ ኣብ ህዝቢ ጸቕጢ ፈጢሩ ምህላዉ ይግለጽ።

ኣቐድም ኣቢሉ ንበዓላት ተባሂሉ ካብ ውልቀሰባትን ትካላትን ዝተኣከበ ገንዘብ ተጣፋፊኡ ምንባሩ ብሰፊሑ ዝዝረበሉን፣ ኣብ መጽሔት ህዝብን ፖሊስን ተቓሊሑ ምንባሩን ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ነዚ ካብ ህዝቢ ዝዋጻእ ገንዘብ ብዝምልከት ሕቶ ቀሪቡሉ ሮሞዳን ኣውልያይ፣ ብዛዕባ ዝዋጻእ ገንዘብ ዝፈልጦ ከምዘይብሉ ምግላጹ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Asmara 5 years ago

    Genzeb mwsae lomi ztegemere hadish aykonen b habar ab das mewali eyu were rekibna elkum kolu tetko aytzarebo hasewti